ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ረድኤት ብሓለዋ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ሓገዝ ምሃቦም ቐፂሎም ኣለው


ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጎደናታት ሞቓድሾ ብርክት ዝበሉ ኣብ መንገዲ ዝተቐበሩ ቦምብታት ተፈንጂሮም

ከተማ ሞቓድሾ ብምኽንያት ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝፍፅሞም ሃንደበታውን ዘስካሕክሑን መጥቓዕትታት ኣብ ዓለም ኣዚዮም ሓደገኛታት ካብ ዝብሃሉ ቦታታት ሓንቲ እያ።እንተኾነ ግን ሃገራውን ዓለምለኻውን ሰራሕተኛታት ረድኤት ነቲ ኣብ ጭንቂ ዝርከብ ህዝቢ ካብ ሰራሕተኛታት ፀጥታ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካም ብዝግበረሎም ሓለዋ እናተሓገዙ ኣድላይ ዝኾነ ሓገዝ ምሃቦም ቐፂሎም ኣለው።

ናይ ሎሚ ተልእኾ ሓደ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ናብ ዝተፈለላዩ ከባቢታት እታ ተኸታተልቲ ግጭታት ዝካየደላ ዘላ ዋና ከተማ ምዝውዋር እዩ።ዕላማ እቲ ዑደት እቶም ካብ ድርቂ፡ዓፀቦን ካብ ኣል-ሽበባን ሃዲሞም ዝመፁ ሰባት ዘለዉሉ ዘሕዝን ኩነታት መነባብሮ ብቀጥታ ንምዕዛብ እዩ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት መተሓባበሪ ጉዳያት ፀጥታ ዝኾኑ ጆታሜ ሚሲቮኖ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ዝኾን ዓይነት ሓደጋ ክፍፀም ይኽእል ይብሉ።ኣብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጎደናታት ሞቓድሾ ብርክት ዝበሉ ኣብ መንገዲ ዝተቐበሩ ቦምብታት ተፈንጂሮም።ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ዝኾኑ ወታደራዊ ግጭታትት እውን ተኻይዶም እዮም።ትማሊ’ውን ናይ ምኽትል ከንቲባ መኪና ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ብዝተፃወደ ነታጚ ተባሪዓ።

ናይ ሚሲቮኖ ቀንዲ ስራሕ ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ሰባኣዊ ሓገዝ ንኽከፋፍሉ ምእንታ ብድሩዓት መኻይን ምምልላስ እዩ።ናይ ናዕበኛታት መጥቓዕቲ ክፍፀም ይኸውን ኢላክ ምእማትን ዒላማ ካብ ምዃን ምክልኻልን እቲ ዝዓበየ ፈተና እዩ ይብሉ ንሶም።ሰባት ክምገቡን ክሕገዙን ስለዘልዎም ግን ክስራሕ ዘለዎ ስራሕ እዩ ይብሉ ብምውሳኽ።

ኣብ ቐፅሪ ናይ ሶማሊያ ትካል እግሪ ምሕዋይን ልምዓትን መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ዝኾኑ ኣማእቲ ሰባት ምግብን ክንክን ጥዕናን ይረኽቡ።ነርስ ኻድራ ሱሌይማን ንሓንቲ መንእሰይ ኣደ ንውላዳ ዝኸውን መድሓኒት ትህባ።

ኣል-ሸባብ ንብዓል ቤት ኻድራ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ቐቲሉዎ።ንሸሞንተ ደቃ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይና ተገልግል።ሓደጋታት እንተሃለው እውን ንደቃ ብዘለዋ ፍቕሪ በቢማዕልቱ ናብ ናይ ስራሕ ቦትኣ ከም እትመላለስ ትዛረብ።እቲ ዓብይ ስግኣታ ግን ንሳ እንድሕር ሞይታ ደቃ መን ክሕብሕቦም’ዩ ዝብል እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሞቓድሾ ይኹን ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ደሕንነት ሃገራውን ዓለምለኻውን ሰራሕተኛታት ረድኤት እቲ ዓብይ ሽግር እዩ።ዶብ ኣልቦ ዶክተራት ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ክልተ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ስለ ዝተቐተልዎ ስርሑ ደው ከምዘብሎ ኣብዚ ሰሙን ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG