ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ሰብኣዊ መሰላት እንተተመሓየሸ’ኳ ብዙሕ ዝተርፍ ብድሆታት ከምዘሎ ሓድሽ ዝወጸ ጸብጻብ ሓቢሩ


ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሶማል ኣገዳሲ ምምሕያሻት’ዃ እንተርኣየ ግጭት፣ደርቅን ድኽነትን እቲ ምምሕያሽ ቀፃልነት ንከይህልዎ ዓብዪ ፈተና ምዃኑ ሓድሽ ዝወጸ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ኣብ ሶማል ንዝቐፀለ መግሃስቲ ሰብኣዊ መስላት ጠንቆም ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕን እዮም ክብል ሓድሽ ጸብጻብ ገሊጹ።ብናይ ኣል-ሸባብ ዝተመሓየሹ ቦምብታት፣ መጥቓዕትታት ድብያን ቅንፀላን ወታደራትን ሲቪላትን ይቕተሉ ኣለው። ኣብ መንጎ ሚሊሺያታት ናይ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዝካየድ ውግእ እውን ጠንቂ ሞት ሲቪላት እዩ።

ባሃሜ ቶም ያንዱጋ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሶማል ክኢላን ነቲ ሪፓርት ዝፀሓፈን እዩ።ብሰንኪ ድርቂ ሰባት መግቢ ንምርካብ ምስ ጥሪቶም ካብ መነባብርኦም ይመዛበሉ፣ስእነት እኹል መግቢ ህፃናት ንሕፅረት ኣመጋግባን ሞትን ከምዘቃልዖምን ድኽነት እናዓበየ ምኻዱ ንመላእ ማሕበረሰባት ኣብ ሓደጋ ምዝመዛ ከምዘውድቖምን እቲ ተንታኒ የጠንቕቁ።

“መንእሰያት ሶማል ኣብታ ሃገር ዕድላት ብዘይምርካቦም ግዳያት ነገድቲ ደቂ ሰባት ይኾኑ ኣለው።መብዛሕቲኦም፣ ኣብ ዝሓልፉወን ሃገራት ዳርጋ ኣብ ባርነት ይወድቁ።ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ብማእከላይ ባሕሪን ምድረበዳ ሲናይን ኣዚዩ ሓደገኛ ጉዕዞ ይፍፅሙ።ዘይሕጋዊያን ኣስግርቲ ደቂ ሰባት ኣብ ቀረባ ንብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሶማሊያዊያን መናእሰይ ኣብ ናይ የመን ማያት ቀይሕ ባሕሪ ራሕሪሖምዎም ህይወት ብዙሓት ጠፊኡ።”

ኒያንዱጋ ግዳያት ጎዳእቲ ልምድታት ብምኳናን መሰል ደቂ ኣንስትዮ’ውን ከምዘሻቐሎ ይገልፅ።ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበሩ ዓመፃት ብስርዓት ኣልቦ መናእሰይን ብዘይፍለጡ ዕጡቓትን ዝፍፀም ፆታዊ መግሃስቲ ብዘይተሓታትነት ቀፂሉ’ሎ ይብሉ።

ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ሰብ ሙያ መሓውራት ዜናን መጥቓዕትታት ይፍፀሙ ኣለው ክብሉ'ውን ይነቅፉ።መንግስቲ ሶማል ሕግታቱን ናይ ፍትሒ ስርዓቱን ሰብኣዊ መሰላት ብዝበለፀ ኽክበር ከሰርሕ እቲ ክኢላ ወሲኾም ፀዊዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG