መንግስቲ ሱማሊያ ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ተፈናቐልቲ ሓለዋ ንኽገብረሎም Human Rights Watch ዝተብሃለ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ፀዊዑ።እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውፅኦ ሓድሽ ፀብፃብ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ፆታዊ ዓመፅ፣መገረፍትን መግሃስትን ምፍፃሞም ኣፍሊጡ።
እቲ ዝወፀ ሓድሽ ፀብፃብ ኣብ ሱማሊያ ዓፀቦ ሓይሉ ኣብነበረሉ ካብ መፋርቕ 2011 ኣ/ፈ ክሳብ 2012 ዝሽፍን እዩ።
ኣብ Human Rights Watch ምኽትል ዳይረክተር ጉዳይ ኣፍሪካ ለስሊ ሌፍካው እቲ ኣብ ልዕሊ ተስፋ ዝቖረፁ ተመዛበልቲ ዝተፈፀመ መግሃስቲ ዓፀቦ ጫፍ ኣብ ዝበፅሐሉ ከምዝነበረ ገሊፀን።
እቲ ፀብፃብ ሎሚ ዝወፀሉ ምኽንያት ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝተወሰደሉ ስለዝኾነ እዩ ምስበላ ‘’ገሊኦም ጉዳያት ሎሚ’ውን ኣገደስቲ እዮም።ኣብ ሞቓድሾ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሎሚ’ውን ብምሊሺያታትን ዕጡቓትር ጉጅለታትን ኣዝዮም ንመግሃስቲ ዝተቓልዑ እዮም።’’
ሎሚ’ውን ዓሰርተታት ኣሽሓት ተፈናቐልቲ ኣብ ሞቓድሾ ስልዝርከቡን መብዛሕቲኦም እውን ኣብቶም ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ናብ ካሊእ ክዛወሩ ስለዝኾኑን እቲ ሓድሽ መንግስቲ ክገብሮም ዝግባእ ጥንቓቐታት ከምዘለው ሓቢረን።
ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተለመደ ንቶም መዕቖቢ ማእኸላይ ዘመሓድርዎ ትካላት ሕቡራት መንግስታትን ናይ ውልቂ ትካላትን ከይኮኑስ ንትርፊ ዝሰርሑ ውልቀ ሰባት እዮም ኢለን።
እዞም ሓለውቲ በሪ ናብ ውሽጢ ዝኣትን ናብ ደገ ዝወፅእን ስለዝውቆፃፀሩ ባዕለዎም እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ተመዛበልቲ ብተደጋጋሚ መግሃስቲ ከምዝፍፀሙ ወሲኸን ኣብሪሀን።
ካብቶም ዝተሰነዱ መግሃስትታት እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኣብቲ መዕቖቢ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝተፈፀሙ ፆታዊ ዓመፃት ከምዝኾኑን እቶም ፈፀምቲ ድማ ዝተፈላልዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ማለት’ውን ሚልሺያታት፣ወታደራት መንግስትን ምስቶም ሓለውትን ኣምሓደርትን ርከብ ዘለዎም ዕጡቓትን እዮም ኢለን።
ኣብቶም መዕቖቢ ማእኸላት ረድኤት ኣብዝዕደለሉ እዋን ምሊሻታት ነቲ ረድኤት ከምዝወሩዎ፣ናይቶም ተመዛበልቲ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ከምዝድረቱን እቶም ተመዛበልቲ ንዝበፅሖም መግሃስቲ ተቓውምኦም ንምግላፅ ኣብዝፍትንሉ እዋን እውን ከምዝይፍቕደሎምን ሓቢረን።
ሎሚ’ውን ዝቐፀሉ ገለ መግሃስትታት እንተሃለው’ውን መብዛሕቲኦም ዝተሰነዱ መግሃስታት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ኣብ ስልጣን ኣብዝነበረሉ ኣብ 2011ን ኣብ 2012ን ኣ/ፈ እዮም ከም መግለፂ እተን ዳይረክተር።
ሓድሽ መንግስቲ ሱማሊያ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ደሕንነት ተመዛበልቲ ኣብ ምሕላው ዘርኣዮ ጉድለት ክእርም ዓብዪ ሓላፍነት ኣጋጣምን ስለዘለዎ መንግስቲ ሱማሊያን ዓለምለኸ መሻርኽትን ንቶም ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ቀዳምነት ክህብሉ ፀዊዐን ሌፍካው።