ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣልሸባብ ብዝገበሮ መጥቃዕቲ 3 ዜጋታት ቀቲሉ 27 ኣቝሲሉ


ፋይል - መጥቃዕቲ ዘጋጠመሉ ሆቴል
ፋይል - መጥቃዕቲ ዘጋጠመሉ ሆቴል

ትማሊ ሓሙስ ኣብ ጥቓ ቤተ-መንግስቲ ሶማል ዝርከብ ዓቢ ስይል ሆቴል ጉጅለ ኣልሸባብ ብዝግበሩዎ ከበባን መጥቃዕቲን ሰለስተ ሰባት ሞይቶም 27 ድማ ምቝሳሎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። ካብ መንጎ’ቶም ቍሱላት 18 ሲቪላውያን ዜጋታት ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ትሸዓተ ኣባላት ፖሊስ፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ድማ ሰብ-መዚ መንግስቲ ምዃኖም ተሓቢሩ። ፖሊስ ብዝገበሮ መልሰ-መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ካብቶም ዕጡቓት ምቕታሉ ወሃብ-ቃል ሓይሊ ፖሊስ ሶማል ገሊጹ።

እቲ ሆቴል ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዘዘውትሩዎ ስፍራ ምዃኑ ይፍለጥ። ጉጅለ ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባላቱ ነቶም “ኣድሓርሓርቲ” ኢሉ ዝሰየሞም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዒላማ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ተመሳሳሊ ሆቴል ኣብ 2019መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ይዝከር። ኩነታት ሎሚ ዓርቢ ከም ዝተረጋግአ ፖሊስ ሶማል ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG