ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሶማል መንግስቶም ንመሰላት ጋዜጠኛታት ከምዝጣበቕ ሓቢሮም


ጋዜጠኛ ሬድዮ ሸበሌ ሶማል
ጋዜጠኛ ሬድዮ ሸበሌ ሶማል

ፕረዝደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ መንግስቶም ንጋዜጠኛታት ከምዝከላኸልን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ገበን ዝፈፀመ ድማ ናብ ሕጊ ከምዘቕርቡን ገሊፆም።

እቶም ፕሬዝዳንት ኣንፃር ጋዜጠኛታት ዝፍፀም ገበን ንኸብቅዕ ብማለት ሎሚ ኣብ ዝተዘኸረ መዓልቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀም መቕተልቲ ከብቅዕ ኣለዎ ኢሎም።

"ሶማሊያዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ግን ድማ ብውፉይነት ይሰርሑ ኣለው፤ብዘይካ እዞም ጋዜጠኛታት እታ ሃገር እዚ ኣመዝጊባቶ ዘላ ፀጥታን ልምዓትን ኣይመፀን’’ኢሎም።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ 23 ጥቅምቲ ወይ 2 ሕዳር ‘’ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀም ገበን ንኸብቅዕ ዝዝከረሉ ዓለምለኸ መዓልቲ‘’ ክኸውን ኣብ 2013 ዓ.ም ምእዋጁ ይዝኸር።2 ሕዳር 2013 ዓ.ም ክልተ ፈረንሳዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ማሊ ዝተቐንፀልሉ ዕለት እዩ።

ብኻልእ ዜና ፖሊስ ሞቓድሾ ንሓደ ባህላዊ ሽማግለ ቶኪሶም ዝቐተሉ ኽልተ ጥርጡራት ኣል-ሸባብ ኣብ ቁፅፅር ምውዓሎም ኣፍሊጡ።

ክልቲኦም ዋዳጂር ኣብ ዝተባህለ ክፋል እታ ከተማ ነቶም ዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ምስ ኣቑሰሉዎም ኣብ ሆስፒታል ምስ በፅሑ ከምዝሞቱ ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።

እቶም ዕጡቓት ኣባላት ኣል-ሸባብ ምዃኖምን ነቶም ሽማግለ ክቐትሉዎም ልኡኽ ከምዝተውሃቦምን ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣሕመድ ዓብዱል ኣፍራህ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ክልቲኦም ተጠርጠርቲ ቆሲሎም ኣብ ትሕቲ ቁጽር ምእታዎምን ‘ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG