ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ኣል-ሸባብ ሓራ ኣብ ዝወፀ ከባቢ ምምሕዳር ምጥያሽ ኣገዳሲ እዩ ተባሂሉ


ዝእመን ኣማሓዳሪ ንምርካብ ግና ቀሊል ኣይኮነን

ኣብ ሶማልያ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ይዋግኡ ዘለው ሓይልታት ዞባዊ ጥምረት፣ኣብ‘ቶም ሓራ ዘውፅእዎም መርየታት ፖለቲካዊ ክፍተት የጓንፎም ኣሎ ተባሂሉ።ጊዚያዊ መንግስቲን ወፃእተኛ ሓይልታትን፣ኣብ‘ቶም ሓራ ዝወፁ ከባቢታት ምምሕዳር ንክትከሉ ድልየት ኣለዎም።እንተኾነ እሙን ወገን መን‘ዩ ዝብል ዘይተመለሰ ሕቶ ኣስዒቡሎም‘ሎ።

ኣል-ሸባብ ካብ ሓይልታት ሶማልያን ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ብጠንቂ ይወርዶ ዘሎ ጥቅዓት፣ኣብ ማእከላይን ደቡባዊን ሶማልያ፣ንከባቢታት እናገደፈ ኣብ ዝሃድመሉ ጊዜ ይፍጠር ንዘሎ ምዕባለታት ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብትኩርነት ይከታተል‘ዩ ዘሎ።

ኣብ ፖለቲካዊ ምትህድዳእ ሶማልያ እጀታ ዘለዎም መንግስታት፣ኣብ‘ቶም ካብ ቁፅፅር ኣል-ሸባብ ሓራ ዝወፁ ከባቢታት ብህፁፅ ምምሕዳራት ምትካል ኣገዳሲ‘ዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ኣሜሪካ ሓንቲ ካብ‘ተን ንፖለቲካዊ መስርሕ ሶማልያ ትድግፍ ሃገር‘ያ።ፖሊሲ ኣሜሪካ፣ንፈዴራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ሓያል ደገፍ ምልጋስን፣ምስ ከባቢያዊ ምምሕዳራት ዘሎ ርክብ ምስፋሕን ዝብል‘ዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንጉዳይ ሶማልያ ጀምስ ስዋን፣ኣሜሪካ ንሻቅሎት ወከልቲ ማሕበረ-ሰብ ሓራ ዝወፁ ከባቢታት ሶማልያ ኣቃልቦ ትህብ ኣላ ኢሎም።

እንተኾነ ገለ ወገናት፣ኣብ‘ቶም ሓራ ዝወፁ ከባቢታት ዝምረፁ ሰባት፣እቲ መስርሕ ንውልቀ-ረብሓ ከውዕልዎ‘ዮም ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ንኣብነት ከተማ ባይዶዋ፣ክሳብ ሰራዊት ኢትዮዽያ ዘባርሮም ማለት‘ዩ ኣብ ትሕቲ ኣል-ሸባብ‘ያ ነይራ።እቲ ስርሒት ኣብ ድሮ እቲ ለንደን ዘተኣናኣገደቶ ዋዕላ ሶማልያ‘ዩ ተፈፂሙ።

ኣባል ፓርላማ ባይዶዋ ካፕቴይን ኣደን ኑር ዓደን፣እቲ ስርሒት ኢትዮዽያ ኣብ‘ቲ መድረኽ ዓብዪ ድምፂ ንክትረክብ መእንታን ተባሂሉ ዝተካየደ‘ዩ ዝመስል ይብል።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG