ዋሽንግተን —
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ በብእዋኑ ዝሃርም ዘሎ ዝናብ ዛጊት ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ዜጋታት ጸልዩ፡ ንኸባቢ 750-ሽሕ ዜጋታት ካብ መንበሪኦም ኣፈናቒሉ፡ ልዕሊ 100 ድማ ምቕታሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ትካል ሰብኣዊ ረዲኤት (ኦቻ) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ህቦቡላዊ ዝናብ ኤል-ኒኖ ገና ኣየብቅዐን ዘሎ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ እዋን ብድምሩ ክሳብ 1.5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ሕርሻ ክድምስስ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ኦቻ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ገምጋም ይጠቅስ።
ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ዛጊት ንኣስታት 820-ሽሕ ዜጋታት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጻሖም እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ተደጋጋሚ ዝናብን ምፍንቓልን ስለ ዘሎ ግን ሕጂ እቲ ቀንዲ ኣተኵሮ፡ ነቶም ኣብ ሓዲግ ቦታ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ውሑስ ቦታ ምውሳዶም ምዃኑ ኮሚሽን ምውህሃድ ሓደጋ ሶማል ይሕብር።
እዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝመጽእ ዘሎ፡ ሶማል ብደርቂ፡ ሕጽረት መግቢን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማትን ኣብ ዝተጠቕዓትሉ እዋን’ዩ። ኣስታት 1.5 ሚልዮን ትሕቲ 5 ዓመቶም ህጻናት ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ይሳቐዩ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ኦቻ ግን ካብቲ መዲቡዎ ዝነበረ 42 ሚእታዊት ጥራይ ምርካቡ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ቅጥዒ