ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ 31 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሶማል ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅ ንኣስታት 1.2 ሚሊዮን ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ከምዘመዛበለን ንልዕሊ 30 ሰባት ድማ ከምዝቐተለን ሚንስተር ሓበሬታ ዳውድ ኣዋዒስ ትማሊ ሰንበት ገሊፁ።

ብሰንኪ ኤል ኒኖ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ፍፃመ ኩነታት ኣየር ኣብታ ሃገር ካብ ፈለማ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጀሚሩ ዘይቋርፅ ዝናብ ይወቅዕ ኣሎ።

ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሶማሊያዊያን ኣብ ጫፍ ዓፀቦ ኣውዲቑዎም ዝነበረ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ ስዒቡ እዩ እዚ ናይ ሕዚ ዕንወት ዝመፅእ ዘሎ።

31 ሰባት ምሟቶም ሰበስልጣን መንግስቲ ምርግጋፆም ዝገለፀ እቲ ሚንስተር ሓበሬታ ‘’እቲ ጉድኣት ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢሉ። ሩባ ሸበለ መሊኡ መንገድታት ተዋሒጦም ንብረት ድማ ብውሕጅ ምውሳዶምን እቲ ዝኸበደ ዕንወት ኣብ ዞባታት ጌዶን ሒራንን እዩ ምግጣሙ ተሓቢሩ'ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ ምትሕብባር(ኦቻ) እታ ሃገር ኣስታት 100 ዓመታት ሓንሳብ ከጋጥም ብዝኽእል ሓደጋ ገጢሙዋ ከምዘሎን ንኣስታት 1.6 ሚሊዮን ሰባት ክጸልው ከምዝኽእልን ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG