ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል- ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ንምትራፍ ዘሎ ጕዕዞን መሰናኽልን


ሶማል- ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ንምትራፍ ዘሎ ጕዕዞን መሰናኽልን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:43 0:00

ሶማል- ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ንምትራፍ ዘሎ ጕዕዞን መሰናኽልን

ሽሕ እኳ ንምቍራጽ እቲ ጎዳኢ ልምዲ ዝኾነ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ቀጻሊ ጎስጓሳት እንተተኻየደ፡ ገና ግን እቲ ተግባር ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ስለ ዝቕጽል፡ ንሚልዮናት ደቀንስትዮ ኣብ ቀጻሊ ስቓይ የንብረን ኣሎ። ሶማል ሓንቲ ካብኣተን’ያ።

እዛ ንድሕነታ ስማ ክዕቀበላ ዝሓተት ጓል 17 ዓመት ጎርዞ ኣብ መቓዲሾ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ምስ ስድራቤታ ትቕመጥ። ብንእሽቶኣ ስለ ዝተኸንሸበት ሓድጊ ናቱ ገና ምስኣ’ዩ ዘሎ።

ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ውድብ ጥዕና ዓለም ጎዳኢ ልምዲ ብምባል ብኽውገድ ይጉስጉስ።

እዛ መንእሰይ ጓል 12 ዓመት እንከላ ምስ ተኸንሸበት ድሕሪኡ ኣብ ቀጻሊ ቃንዛን ስነ-ኣእሙራዊ ዘይምርግጋእን ከም እትርከብ ትሕብር።

“ብኽንደይ ቃንዛ’የ ሓሊፈ። ብዙሕ ደም ፈሲሱኒ። ድሕሪኡ ቀጻሊ ረኽሲ ነይሩኒ። እታ ኣሰቃቒ ህሞት ደጋጊሙ ብሓሳበይ ይመለሳለሰኒ።”

ንደቀንስትዮ ካብ ዝሙትን ዘይደሊ ጾታዊ ድሌትን የድሕንነ’ዩ ብዝብል እምነት፡ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ኣብ ሶማል ዝውቱር’ዩ። ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 98% ሶማላውያን ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ መንጎ ዕድመ 15ን 49 ከም ዝኽንሸባ የመልክት።

መሕረሲት ሻምሳ ዓሊ መሓመድ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከንሻቢት ኰይና ነጢፋ። ሕጂ ግን እቲ ልምዲ ንኽቋረጽ ካብ ዝጉስጉሳ ሓንቲ’ያ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝግበር ክንሸባ ካብቲ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ዝፍለን ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ልምዲ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ምዃኑ ድማ እቲ ውድብ ይገልጽ።

ሻምሳ ዓሊ መሓምድ’ያ--ድሕሪ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ስራሕ ነቲ ተግባር ሕቖኣ ምስ ሃበቶ “ብዙሓት ኣዋልድ እኽንሽብ ነይረ። ሕጂ ግን ትካል ኢፍራሕ ነቲ ልምዲ ከንቋርጾ ስለ ዘመነና ገዲፈዮ። እቲ ኣገባብ ንምትራፍ ካብ ዝጉስጕሳ ሓንቲ’የ። ክንደይ ኣዋልድ በቲ ቃንዛ ስለ ዝሓለፈ ኣብ ግዜ ሕርሲ ክሳቐያ ይርኣያ፡”ትብል።

ኢፍራሕ ኣሕመድ ብስማ ንምትራፍ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ዝጣበቕ ትካል ዝመስረትት’ያ።

“ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ባህሉ፡ ልምዱን እምነቱን ንተኣታተዎ ዘላን መታን ከይመስል፡ ነቶም መራሕቲ ምሂርና ኢና ንሳቶም ነቲ ጎስጓስ ክመርሑዎ እንገብር።”

ሳሳ ብዝብል ኣሕጽሮ ቃላት ዝጽዋዕ ካልእ ትካል’ውን ሕብረተሰብ ነቲ ልምዲ ንምጥፋእ ክሰርሕ ካብ ዝጕስጕስ’ዩ። መሓመድ ሙርሳል ኣብ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ኣወሃሃዲ ናይዚ ብሳሳ ዝፍልጥ ትካል’ውን’ዩ።

ምስ መንግስቲ ሶማል ብቐረባ ብምትሕብባር ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ንምትራፍ ይሰርሑ ምህላዎም መሓመድ ሙርሳል ይገልጽ። ገለ ካብኡ ንምኽንሻብ ደቀንስትዮ ብሕጊ እታ ሃገር ንምትራፉ ዝግበር ጻዕሪ’ዩ።

ሕገ-መንግስቲ ሶማል፡ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ገበን ምዃኑ’ዩ ዝጠቅስ። እንተዀነ ነቲ ተግባር ብገበን ዘቕጽዕ ሕጊ ዛጊት የሎን።

ተሓለቕቲ ድማ ንዕኡ ዝቕጽዕ ሕጊ ክሳብ ዘየሎ እቲ መስርሕ ክቕጽል ምዃኑ ይኣምኑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG