ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥምየት ናብ ሶማልያ ከይምለስ ሕ/ሃ መጠንቀቂ ይህብ


SOMALIA
SOMALIA
ብጠንቂ ደርቂን ኣል-ሸባብ ዝፈጠሮ ቅልውላውን፣ሶማልያ ንካልእ ዙር ጥምየት ትቃላዕ'ላ ክብል ሕ/ሃ ኣጠንቂቁ።ሕፅረት በጀት ስርሑ ንክንኪ ከምዘገደዶ‘ውን እቲ ዓለም-ለኸ ውድብ ኣፍሊጡ‘ሎ።

ኣብ ናይሮቢ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ልኡኽ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕ/ሃ ፍልፕ ላዛራኒ፣እቲ ኣብ ሶማልያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ምስ‘ቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተኸሰተ ጥምየት ዘመሳስል ስለዘለዎ ኣዝዩ ዘሻቅል‘ዩ ኢሎም።

”ዘየቋርፅ ግጭትን ደርቂን ኣሎ።ናይ መተሓላለፊ ፀገም‘ውን ኣለና።በጀት መሊኡ ተፀንቂቁ‘ዩ።ውልቀ ዘፈር እንተኾነ ከም‘ቲ ዝድለ መንቀሳቀሲ ኣይረኸበን” ኢሉ።

ፊልፕ ላርዛኒ፣ኩነታት ኣብ‘ዞም ዝቅፅሉ ሰሙናት እናባኣሶ ክኸይድ‘ዩ ኢሎም።ንሶማልያ ናብ ቅልውላው ክመልሳ ከምዝኽእል‘ውን ገሊፆም።

ሕ/ሃ ኣብ ዝዝረገሖ መግለፂ፣ክልተ ሚልዮን ሶማልያውያን ብሕፅረት መግቢ ይሳቀዩ‘ለው፤ክልተ ሚእቲ ሽሕ ህፃናት ድማ ጉድለት ኣመጋግባ ይራኣየሎም ከምዘሎ ጠቂሱ‘ሎ።

ንኣል-ሸባብ ካብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት ፀሪግካ ንምውፃእ ዝተጀመረ ወትሃደራዊ ጥቅዓት፣ተወሳኺ ፀገም ምፍጣሩ‘ውን ይዛረቡ።

ፊልፕ ላዛኒ፣ኣል-ሸባብ ንዘወርቲ ናይ ፅዕነት ማካይን ንከይሓልፉ ከምዘፈራርሑን ንፅርግያታት ከምዝዓፅውን ሓቢሩ።

ሕ/ሃ 933 ሚልዮን ዶላር ተማሕፂኑ ዝረኸቦ መጠን ገንዘብ ንሰብኣዊ ሓገዝ 18 ሚእታዊ ጥራሕ‘ዩ።ላዛሪኒ፣ሕፅረት ገንዘብ ንስራሕቲ ምድሓን ህይወት ዛጊድ ፀልዩዎ‘ሎ ኢሉ።
XS
SM
MD
LG