ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብጠንቂ ደርቂ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ሶማልያዊያን ልዕሊ 17 ሽሕ ምብፅሑ ተገሊፁ


ብወገን ጎዴ ናብ ኢትዮዽያ ዝኣተው ሶማልያውያን ልዕሊ 17 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።እኹል ረድኤት ኣይረኸቡን፣እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ‘ቲ ናይ‘ቲ ከባቢ ማሕበረ-ሰብ ተወሳኺ ፆር ፈጢሩ‘ሎ።እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ኣብ ካምፕ ዶሎ-ኣዶ ይራኣይ ዝነበረ ሞት ህፃናት ንምንካይ ልዑል ፃዕሪ ይግበር ኣሎ።

ኣብ ጉዳይ ስዱዳት ሕ/ሃ ምክትል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ክሱት ገ/ሄር ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣በዝሒ‘ቶም ስደተኛታት ካብ 17 ሽሕ ንዕቅብ ክኸውን ይኽእል‘ዩ።

ኣቶ ክሱት ወሲኾም ”እቲ ጉጅለ ንጊዚኡ ሒዝዎ ዝመፀ ኣሃዝ ኣስታት 17,500 ዝብል‘ዩ።እቶም ስደተኛታት ዕለታዊ ይኣትው ስለዘለው፣እቲ ኣሃዝ ክውስኽ‘ዩ።መንነት‘ቶም ስደተኛታት ኣዳቂቅካ ዝፍለጥ ኣይኮነን።ክንደይ ቆልዑ፣ክንደይ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣነስትዮን ዝብል ማለተይ‘የ።እንተኾነ፣ብዘይካ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ሓደ እዋን ዝለገሰሎም ረድኤት፣ተወሳኺ ሓገዝ ይረኽቡ የለውን” ኢሎም።

ሶማልያውያን ስደተኛታት፣ካብ ነበርቲ ኣብ ሞንጎ ጎዴን ኣፍዴርን ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ከባቢታት መግቢ ከምዝረኽቡ ዝጠቀሱ ኣቶ ክሱት፣ እዚ ኩነታት‘ዚ ንውሕስና መግቢ‘ቶም ዛጊድ ኣብ ፀገም ዘለው ኢትዮዽያዊያን ተወሳኺ ፆር ከምዝፈጥር ሓቢሮም።

”ኣብ‘ቲ ከባቢ ምስ ዘሎ ማሕበረ-ሰብ መግቢ እናተማቀሉ ዝነብሩ ሰባት ኮይኖም‘ለው።እዚ ነገር‘ዚ ኣሰካፊ ዝገብሮ ነገር፣እቶም ኢትዮዽያውያን በቲ ዝተኸሰተ ደርቂ፣ዓቅሞም ተዳኺሙ ስለዘሎ፣እቲ ነገር ኣፍኲስካ ዝራኣይ ኣይኮነን” ባሃላይ‘ዮም።

ንሶማልያውያን ስደተኛታት፣ዝሓሸ ኣማራፂ ናብ ዝተወደበ ማእከል ስዱዳት ምግዓዝ ክኸውን ከሎ፣እዚ ክትግበር ዝኽእል ግና፣ብሙሉእ ድልየት‘ቶም ስደተኛታት‘ዩ።

ኣቶ ክሱት ገ/ሄር ኣብ ኮቤ ካምፕ ዶሎ-ኣዶ ዝራኣይ ሞት ህፃናት ክፍለጥ ከምዝተገብረ፣ዘይተዘርበሉ ምዕባለ ግና፣እዚ ጥፍኣት‘ዚ ንምንካይ ዝራኣይ ዘሎ ፃዕሪ’ዩ ኢሎም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ካብ ሞት ከምልጡ‘ዮም ተባሂሎም ዘይትፅበዮም ህፃናት ኢሎም ኣቶ ክሱት ገ/ሄር፣ተበራቢሮም ምስ ኣዴታቶም ምንባር ጀሚሮም ኣለው።ኣብ ዶሎ፣ሞት ጥራሕ ዘይኮነስ ህይወት‘ውን ኣሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG