ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ምስ መጥቓዕቲ ባይደዋ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም ኣርባዕተ ክሱሳት ብሞት ቀጺዓ


ፋይል- መጥቓዕቲ ባይደዋ
ፋይል- መጥቓዕቲ ባይደዋ

ሰበስልጣን ደቡብ ምዕራብ ሶማል ኣስታት 80 ሰባት ንዝቐተለ ቦምብ ተኲሶም ብዝብል ዝተፈርዶም ኣርባዕተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ብሞት ቀፂዖም።

እዞም ክሱሳት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ከተማ ባይድዋ ኣብ ዝተጋብአ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ እዮም ሞት ተፍሪዱዎም።

ብምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ቤት ፍርዲ ሎሚ ሶኑይ ዝተበየነ ናይ ሞት ትእዛዝ ኣርባዕቲኦም ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ ክሱሳት ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ባይድዋ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ኣብያተ መግቢ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ንዝተፈፀመ ፍንጀራ ፈፂሞሞ ይብል።

ሰበስልጣን እቲ ዞባን ዓሰርተታት ነበርትን ኣብ ዝተኣከብሉ ኣርባዕቲኦም ብጥይት ተቐቲሎም ኣለው።

ብካልእ ዜና ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ ኣብ ማያት ሶማል ዝተርኣየ ተደጋጋሚ ክትራን ባሕሪ እናዓበየ ዝኸይድ ከም ዘሎ ተጌሩ ክረአ የብሉን ኢሎም።

ትማሊ ሰንበት ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ወታደራዊ መደበር ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ጀነራል ቶማስ ዋልዳውዘር ‘እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ገይርና ኣይንሪኦን፣ግን ኸኣ ምክትታልና ክቕፅል እዩ’ ኢሎም ።

ንሶም ብተወሳኺ ከተርቲ ባሕሪ መግብን ነዳዲን ንዝፅዓና ናይ ንግዲ መራኽብ ንምጭዋይ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝፈፀሙዎም ሽዱሽተ መጥቓዕትታት ምኽንያት ኣብቲ ዞባ ዘንፀላለወ ሓደጋ ድርቅን ዓፀቦን ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።

ናይ ከተርቲ ባሕሪ መጥቓዕትታት ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣዚዩ ውሑድ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG