ብሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓዪሻ መሓመድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ትማሊ ሓሙስ መቓዲሾ በጺሑ፡ ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ዝሓወሰ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እታ ሃገር ድሕሪ ምርኻቡ፡ ክልተኣን ሃገራር ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ምርግጋእን ሓቢረን ክሰርሓ ተሰማሚዐን።
ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ነቢያት ጌታቸው ነቲ ርክብ ኣመልኪቱ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክልተኣን ሃገራት ኣብቲ ባሕቲ ጥሪ ናይዚ ዓመት ዝጀመረ ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትሕብባር ዘለወን ድሌት’ውን ገሊጸን ኣለዋ። ኣብቲ ብናይ እንግሊዘኛ ኣሕጽሮ-ቃላት “ኣውሶም” ዝተሰየመ ዝተሓደሰ ተልእኾ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይጸንበረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ወገናት ሶማልያ፡ ትማሊ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዘካፈሉዎ ግን፡ ሶማልያ ኣብቲ ንሳ እትመርጾ ቦታ ሓደ ሽሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክዋፈሩ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። ካብቲ ዝጸንሑዎ ናብ ሓድሽ ቦታ ምግዓዝ ከም ዘጸግም ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምግላጹ ዝሓበሩ ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ፡ ርክብ ክልተኦም ወገናት ኣብ ቀረባ እዋን ክቕጽል ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ቅጥዒ