ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ሶማልያን ዘይምስምማዕ ይርኤ`ሎ ይብል ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ


የኢትዮጵያ ወታደሮች በሶማሊያ

ሚንስተር ምክልኻል ሶማልያ ግና፡ ኢትዮጵያ ንሶማልያ ምርግጋእ ንረብሓኣ`ውን ስለዝኾነ ከምትቕጽሎ እተኣማመን`የ ይብል

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊያዊት ከተማ ሑዱር ኣብዘይ ግዚኡ`ዩ ወጺኡ ይብል ዲረክተር Sahan Research Matt Bryden።

"ኣብ መንጎ መንግስታት ሶማልያን ኢትዮጵያን ንጹር ዝኾነ ውጥረት ኣሎ" ዝበለ ማት ብርይደን፡ እቲ ዝያዳ ዘይምስምማዕ ኣብ ጉዳይ ምርግጋእ ሶማልያ ምዃኑ ይጠቅስ።

ዝሓለፈ ሰሙን ንፓርላማኦም ዝተዛረቡ ናይ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ሃይለማርያም፡ ብዘይ ፋይናንሳዊ ሓገዝ፡ ሰፊሕ ኸባቢ ማእከላዊ ሶማልያ ምሕላው ቃሕ-ከምዘይበሎም`ዩ ዘመልክት።

ዲረክተር ትካል መጽናዕቲ ሰሃን ግና፡ እቲ ጉዳይ ናይ ገንዘብ ዘይኮነስ ዝያዳ ናይ ፖሊቲካ `ዩ ይብል።

ምስኡ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ዝሓዘ መደብ ኣብ ምልክት ድምጺ ይርከብ፡

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG