ዋሽንግተን —
ብመንጎኝነት ቱርኪየ ኣብ ኣንካራ ትማሊ ሰኑይ ዝጀመረ ካልኣይ ዙር ርክብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብቲ ዝድለ ምርድዳእ ስለ ዘይበጽሐ ንሳልሳይ ዙር ርክብ፡ ን17 መስከረም ምትሕልላፉ ኣብቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣካፊሎም።
ብመሰረት እቶም ርእይቶ ክህቡ ስለ ዘይክእሉ ስሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት፡ እቲ ቀንዲ ፍልልይ ሶማል ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ስምምዕ መዘከር ክትስርዝ ክትሓትት እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና፡ ቅድሚ ከምኡ ምግባራ ካብ ሶማል ውሕስነት ንኣፍደገ ባሕሪ ክትረከብ መረጋገጺ ጠሊባ።
ብሰንኪ’ዚ ድማ እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪየ ሃካን ፊዳን ዝምራሕ ዝነበረ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ንሳልሳይ እብረ ተሰጋጊሩ ኣሎ።
ቅጥዒ