ዋሽንግተን —
ሶማልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዞባ ጌዶ ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክትብል ከሲሳ።
ሚንስትሪ ዜና ሶማልያ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓርቢ መግለጺኡ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ካብ ከተማ ዱሎው ናብ በለድ ተንቀሳቒሶም ኔሮም ግን ብሓይልታት መንግስቲ ሶማልያ ተዓጊቶም ኣለዉ ኢሉ።
ካብ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ምላሽ ንምስማዕ ብድምጺ ኣመሪካ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ምላሽ ኣይተረኽበን። ድሕሪ ምፍራም ሰነድ ምርድዳእ ምስ ሶማሊላንድ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያ ውጥረት እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ`ሎ።
ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዝህብ ውዕል እንተዘይሰሪዛቶ ወተሃደራታ ካብዚ ወርሒ'ዚ ንድሓር ካብ ሶማልያ ክወጹ ከም ዘለዎም መንግስቲ ሶማልያ ከስምዕ ጸኒሑ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ መጠንቀቕታ ዝተሓተቱ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፡ ዝኾነ ፍልልይ ብልዝብ ክፍታሕ ይኽእል`ዩ ዝብል ምላሽ ክህቡ ጸኒሖም ኣለዉ።
ቅጥዒ