ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ዝቕጽል ፕረዝደንት ሶማል ኮይኖም ተመሪጾም

  • ምንያ ኣፈወርቂ

ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዝደንት ሶማል

አባላት ፓርላማ ሶማል መጻኢ ፕረዝደት እታ ሃገር ንምምራጽ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ ፎርማጆ ብዝብል ሳጓ ኣፍለጡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ዝበዝሓ ድምጺ ብምርኻብ ፕረዝደንታ እታ ሃገር ኮይኖም መሪጾሞም ኣለው።

ፓርላማ ሶማል ክልተ ዙር ምርጫ ድሕሪ ምኽያድ’ዩ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓሙድ ዝተዓወቱ። ተሰናባቲ መራሒ እታ ሃገር ነበር ሓሰን ሸኽ መሓመድ ስዕረቶም ተቐቢሎም ኣለው።

ሓድሽ ዝተመርጹ መሓመድ ዓብዲላሂ (ፎርማጆ) ንዝቕጽል ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመታት ፕረዝደንታ እታ ሃገር ኽኾኑ’ዮም። ንሶም ኣቐዲሞም ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማል ብምኳን ዘገልገሉ ምኻኖም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG