ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ሶማል ብዙሕ ብድሆታት ይገጥሞ’ሎ


ሶማል -ኣፍጎየ 19 ጥቅምቲ 2016
ሶማል -ኣፍጎየ 19 ጥቅምቲ 2016

ሶማል ፕረዚደንት አባላት ክልተ ባይቶታትን ክትመርጽ’ያ ግን እቲ አካይዳ ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ዝህበሉ ልሙድ አኻይዳ ብዘይምዃኑ ብዙሕ ብድሆታት ክህልዎ ይኽእል’ዩ ክብሉ ክኢላታት የጠንቕቑ።

አባላ ፓርላማ ሶማል ዓብዲወሊ ቃንያር ብሓፈሻ’ቲ ከይዲ ጽቡቕ’ዩ ዝኻየድ ዘሎ ይብሉ።

ንሶም ብተወሳኺ “ዛጊት ብዙሕ ጥርዓናት ኸምዘይተሰምዓን ግን ኣብ ዝኾነ ምርጫ ዘማርሩ ሰባት አለው’ዮም ዋላ’ውን ኣብቲ ዝማዕበለ ዓለም “ ይብሉ።

ኣብ ሶማል ናይ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ልኡኽ ማይክል ኮቴን ሶማል ገና ካብቲ ናይ 30 ዓመታት ኹናትን ሕጊ-አልቦነትን ትሓዊ’ያ ዘላ ስለዚ ከም ናይ ጸጥታ፡ ስእነት ስርዓትን ሃገራዊ ወረቐት መንነትን ካልኦትን ነቲ ምርጫ ዝትንኽፉ ብድሆታት ክህልዎ’ዮም ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ምርጫ ሶማል ብዙሕ ብድሆታት ይገጥሞ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:24 0:00

XS
SM
MD
LG