ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካምፕታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ሶማል ኩነታቶም ገሊኡ ዘስካሕክሕ`ዩ


ኣብ ገሊኡ መመገቢ ማእከላት ዝበጽሑ ጋዜጠኛታት ከዘራርቡን ስእሊ ከልዕሉን ኣይተፈቐደሎምን።`ቆርበቶም ምስ ኣዕጽምቶም ዝተላገበ፡ ናይ መጨረሻ ትንፋሶም ዘተንፍሱ ዝመስሉ ሕጻናት ይርኣዩ`

ከተማ ዶሎ ኦዶ ካብ ዶብ ሶማል 2ተ ኪ.ሜ ኣብ ዘይመልእ ርሕቐት ትርከብ። ዓብዱል መሓመድ “ብሰንኪ ደርቂ፡ ኣጣልናን ኣግማልናን ሃሊቖም፡ ዝናብ ኣብዩና፡ ኣልሸባብ ድማ ናብ`ዚ ክንመጽእ ኣየፍቅደልናን`ዩ” ይብል።

መሓምድ ዝተባህለ ካልእ መንእሰይ ድማ፡ ድሕሪ ክንደይ ጸገም ኣብቲ ካምፕ እንተበጸሐ`ኳ ኣብ`ዚ`ውን እኹል መግቢ ከምዘይረኸበ ይገልጽ።

ኣብቲ ቦታ ዝበጽሐ ወኪልና መለስካቸው ኣምሃ፡ ኣብ ሓደ ካምፕ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኩነታት ከምዝርኣየ ይገልጽ። ”ቆርበቶም ምስ ኣዕጽምቶም ዝተላገበ፡ ናይ መጨረሻ ትንፋሶም ዘተንፍሱ ዝመስሉ ሕጻናት ይርኣዩ፡ እንተኾነ ጋዜጠኛታት ስእሎም ክነልዕል ኮነ ክነዘራርቦም ኣይተፈቐደልናን” ይብል።

XS
SM
MD
LG