ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱማሊያ ብዝበፅሐ ኣባኾብራ ከባቢ ሓደ ምእቲ ሰባት ሞይቶም


Faroole
Faroole
ንዝሓለፉ ሰለስተ ማዕልታት ብዝበፅሐ ብርቱዕ ማዕበላዊ ንፋስ ወይ ኣባኾብራ ዓሰርተታት ሰባት ምማቶም ሰበስልጣን ናይ ሱማሊያ ፑንትላንድ ኣፍሊጦም።

03A ብዝብል ስም ዝፍለጥ ማዕበላዊ ንፋስ ወይ ኣባኾብራ /ሳይክሎ/ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝጀመረ እንተኾነ እውን ትማሊ ሰንበት ከቢድ ማዕበላዊ ንፋስ ወሪዱ እዮም መብዛሕቲኦም ሰባት ዝሞቱ።

ናይ ፑንትላንድ ፕሬዝዳንት ዓብዲራሕማን መሓመድ ፋሮሌ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ስበስልጣን መጠን ዝበፅሐ ዕንወት ንምርዳእ እናፈተኑ እዮም ኢሎም። ኣስዒቦም ‘’ቴሌኮምኒኬሽን ስለዝተበተኸ ምሉእን ዝርዝርን መረዳእታ የብልናን፤ነገር ግን ዛጊድ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ናብ ሓደ ምእቲ ሰባት ሞይቶም ኣለው።ህፁፅ ኣዋጅ ኣዊጅና ኣለና’’ኢሎም።

መሰኻኽር ዓይኒ ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ከባቢታት ኣብ ሰሜናዊ ፑንትላንድ ዝርከቡ ኬፕ ጓርዱፊን ከተማ ኣይልን እዮም።ብንፋስን ውሕጅን ኣብቲ ከባቢ ዘለው ኣባይቲ ከምዝዓነው እቶም መሰኻኽር ወሲኾም ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ሱማሊያ ፕሬዝዳንት ንቀዳማይ ምንስቴር እታ ሃገር ካብ ስልጣኖም ንኽወርዱ ሓቲቶም።እዚ ሱማሊያ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንዝርኣየቶ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዓብዪ ፈተና እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ምንጭታት መንግስቲ ሱማሊያ ንቪኦኤ ክፍሊ ሱማሊያ ከምዝሓበርዎ ፕሬዝዳንት ሓሳን ሸኽ ማሕሙድ ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብዲ ፋራህ ሺርዶን ኣብ ስርሖም ውፅኢታዊ ክኾኑ ኣይክኣሉን ብዝብል ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ስልጣኖም ንኽወርዱ ሓቲቶም ኣለው ኢሎም።
ክሳብ ሎማዕንቲ ሰኒ እቲ ኩነት መዕለቢ ከምዘይረኸበ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
XS
SM
MD
LG