ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምስሕሓብን ምንዋሕ ዋዕላታትን፣825 ኣባላት ዝሓዘ ቤት ምኽሪ ዓበይቲ ዓዲ ሶማልያ፣ንትግባረ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ማዕፆ ዝኸፍት ውሳነ ከሕልፉ‘ዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ወከልቲ ቤት ምኽሪ ሶማልያ፣ተኻቲዖምን ኣማሓይሾምን፣ነቲ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ እወ’ዶ ኣይፋሉን? ዝብል ድምፂ ክህቡ‘ዮም።
ካብ ኩሎም ዓሌታት ሶማልያ ዝተወከሉሉ እቲ ቤት ምኽሪ፣ነቲ ሸሞንተ ዓመት ዕድመ ዘለዎ ጊዚያዊ መንግስቲ ኣብቂዑ፣ሓድሽ መንግስቲ ንክምስረት፣ባይታ ከጣጥሕ‘ዩ።
ካብ ዓሌት ዲጂልን ሜርፍልን ዝኾኑ ሽማግለ ዓሊ ዓብዲራሕማን ኣሕመድ ኣብ‘ቲ ቤት ምኽሪ ዘለው ወከልቲ‘ቲ ዓሌት፣ነቲ ረቂቅ ሕገ-መንግስቲ ንክቅበሉ ተነጊሩዎም‘ዩ ይብሉ።
ወከልቲና ነቲ ሕገ-መንግስቲ ንከፅድቅዎ ዝገለፅናሉ ምኽንያት ኢሎም ንሶም ”ኣነስትና ኣብ ትሕቲ ፅላል ቆፅሊ ይሓርሳ ስለዘለዋ፣ሰብኡትና ኣብ ባሕሪ ይጠፍኡና ስለዘለው‘ዩ።ኣብ ሓሙሽቲኡ ኣህጉራት ዘለዋ ኣብያተ-ማእሰርቲ እንተበፂሕካ፣ ሶማልያውያን ይሳቀዩሉ ከምዘለው ትሪኢ።ነዚ ፀበባ‘ዚ ንከብቅዕ ገለ ነገር ክንገብር ኣለና።ተሓታታይ ዝኾነ መንግስቲ ክንምስርት ኣለና” በሉ።
ዋዕላ ሕገ-መንግስታዊ ቤት ምኽሪ ብተደጋጋሚ ተናዊሑ’ዩ።ኣብ‘ዚ ቀረባ‘ኳ እቶም ሽማግለታት፣ኣብ‘ቲ ረቂቅ ሕገ-መንግስቲ ዝሰፈሩ ገለ ዘሰሓሕቡ ዓንቀፃት ክማሓየሹ ፀዊዖም‘ዮም።
ሕ/ሃ ሕገ-መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ምርቃቅ ሓገዝ ኣወፍዩ‘ዩ።ንመስርሕ ፖለቲካ‘ታ ሃገር‘ውን ይድግፍ‘ሎ።
ወኪል ሕ/ሃ ኣብ ሶማልያ ኣውጊስትን መሂጋ ንሕገ-መንግስታዊ ቤት ምኽሪ ሶማልያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣እቲ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ፣ሶማልያ እስላማዊት ሃገር፣ከምኡውን ምስ ማሕበረ-ሰብ‘ዚ ሓድሽ መዋእል ዝሰረትን ከምዝኾነት ዝተቀበለን‘ዩ ኢሎም ነይሮም።
ስለዝኾነ ሕገ-መንግስታዊ ቤት ምኽሪ፣ናብ ፖለቲካዊ ስግግርን ዕስራ ነሓሰ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራትን ንዝተጀመረ መስርሕ ሓደ ስዳሮ‘ዩ ኢሎም ይገልፅዎ።
ንረቂቅ ሕገ-መንግስቲ ከፅድቆ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ