ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ሶማሊያ ህውከትን ናዕብን ክንፀግ ፀዊዖም


ክልተ ዓብዪ ፅልዋ ዘለዎም ሶማሊያዊያን ሃይማኖታዊ መራሕቲ ፆም ረመዳን ምኽንያት ብምግባር ናዕብን ህውከት ክንፀግ ፀዊዖም።

ሚሊዮናት ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ዙሪያ ዓለም ንሓደ ወርሒ ዝዘልቕ ፆም ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ጀሚሮም ኣለው።

ብኻሊእ ዜና ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ሶማሊያ ንሓሙሽተ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ሞት ፍሪዱ።

ኣብ ከተማ ቦሳሳ ኣብዝተጋብአ ፍርዲ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ፑንትላንድ ቦምብ ንምትኳስን ንሰባት ንምቕንፃልን መኪና ምሉእ ቦምብ ፅዒኖም ከለው እዮም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን ሸውዓተ ኣባላት ኣል-ሸባብ ኣብ ቦሳሶ ሞት ተፈሪዱዎም እዩ።

ብዝተኣሳሰረ ኣል-ሸባብ ኣብ ደቡባዊ ሶማሊያ 44 ዓመት ዝዕድሚኡ ብእምኒ ቐጥቂጡ ብሞት ቀፂዑ።ኣል-ሸባብ ኣብ መርበብ ሓበሬቱኡ ከምዝገለፆ እቲ ሰብ ካብ ከተማ ባይድዋ 60 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ብዕልግና ብምፍፃም ብሞት ከምዝተቐፅዐ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG