ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ቆልዑ ንኽዋግኡ ይምልመሉ'ለው ክብል ኣምስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ


ኣብ ሶማል ይቕፅል ኣብ ዘሎ ሕድ ሕድ ዅናት ንኽዋግኡ ቆልዑ ከምዝምልመሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ኣምንሰቲ ኢንተርናሽናል ዕድመ እቶም ይምልመሉ ዘለው ቆልዑ ወታደራት ካብ 10 ክሳብ 17 ዓመት ዝበፅሕ እዩ ይብል። ገሊኦም ይብል እቲ ፀብፃብ ሞባይል ስልኪ ክግዘአልኩም ኢዩ ብዝብል ከምዝሕበሉ ገሊኦም ድማ ይጭወዩ እቲ ናይ ኣምስቲ ሪፖርት ይገልፅ።

ኣብ ኣምስቲ ዝሰርሓ በነዲክት ጋደሮው ንቪኦኤ ከምዝተዛረብኦ ሓንቲ ጛል ኣንስተይቲ ቆልዓ እትምሃረሉ ቤት ትምህርቲ ብጉጅለ ኣልሸባብ ከመይ ብሃንደበት ከምዝተወረረ ንኣምስቲ ተዛሪባ ይብላ።

እቲ 90 ገፅ ዝሓዘ ሪፖርት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዘሃደሙ ን200 ሶማሊያዊያን ቃለ መጠይቕ ብምግባር እዩ ተዳሊዩ።

ግጭት፡ድርቅን ስእነት ሰብኣዊ ረድኤትን ተደሚሮም እቲ ኹነት ንቆልዑ ከቢድ ክኸውን ገይሩዎ’ሎ።

ፀብፃብ ኣምስቲ መብዛሕቲኦም ቆልዑ ወታደራት ብኣልሸባብ ከምዝምልመሉ ይሕብር። ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝድገፍ መሰጋገሪ ፌደራላዊ መንግስቲ እውን ቆልዑ ወታሃደራት ተዋጋእቲ ኣለዎ ይብል። መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ግን ነዚ ይነፅጎ።

ሮጀር ሚድልተን ኣብ ለንደን ዝመደብሩ ጉጅለ ቻትሃም ሃውስ ክኢላ ቀርኒ ኣፍሪካ እዮም።

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ፌደራላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ፅልውኡ ኸዕርፍ ኣለዎ ይብሉ። ኣብ ሱማሊያ ዘሎ ዓለም ለኸ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ጥራሕ እዩ።

ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ዝገብር ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም ብዓብይኡ መሰል ህፃውንቲ ዝተሓለው ምዃኖም ከረጋግፅ ኣልዎ ክብሉ'ውን ይገልፁ።

ንብዙሓት ሱማሊያዊያን ካብ ደቡባውን ማእኸላይን ሱማሊያ መህደሚ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ብዕጡቓት ጉጅለታት ዝካየድ ምልመላ ቆልዑ ምዃኑ ኣምስቲ እንተርናሽል ይሕብር።

XS
SM
MD
LG