ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ክፍሊ ስለያ ኣል-ሸባብ ዝነበረ ዘካርያ እስማዒል ሀርሲ፡ንጎነፃዊ ኣገባብ ቃልሲ ኮኒኑ!


ዘካርያ እስማዒል ሀርሲ
ዘካርያ እስማዒል ሀርሲ

ንኣል-ሸባብ ዘውገዘ ሓላፊ ክፍሊ ስለያ’ቲ ጉጅለ ዝነበረ ዘካርያ እስማዒል ሀርሲ፡ንጎነፃዊ ኣገባብ ቃልሲ ኮኒኑ፡ኣባላት ኣል-ሸባብ ዕላማኦም ብሰላማዊ ኣገባብ ንከስጉሙ ፀዊዑ።

ሀርሲ ነዚ መፀዋዕታ ዘቅረበ ሓደ ወርሒ ድሕሪ ዝተማረኸላ ዕለት ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ’ዩ።መፈለምታ ዕላማ ኣል-ሸባብ ብሒደት ውልቀ-ሰባትን ናይ ደገ ኣካላት ረብሓን ከምዝተጨወየ’ውን ጠቂሱ፡-

“ካብ ሎሚ ጀምሩ ኣባል ኣል-ሸባብ ከምዘይኮንኩ ክፍለጠለይ ይደልይ።ካብ ሎሚ ንዳሓር ዕላማይ ብሰላማዊ ኣገባብ ከምዘስጉም’ውን ይገልፅ። ኣፈላላይ ብጎነፅን ህውከትን ምፍታሕ ክኹነን ኣለዎ።ንብፆተይ ዘሕልፎ መፀዋዕታ፡ምስሕሓባት ብልዝብን ሰላማዊ ኣገባብን ኣደቅስዎ ዝብል’ዩ” ይብል ንሱ።

ሓላፊ ክፍሊ ስለያ ኣል-ሸባብ ዝነበረ ዘካርያ እስማኢል ሃርሲ ውልቀ-ሰባት ንውግእ ጂሃድ ኣል-ሸባብ ጨውዮም ንሰባት ዒላማ ንምግባርን ንምቅታልን ይጥቀሙሉ’ውን ኣለው ኢሉ።

XS
SM
MD
LG