ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ኣብ ሶማል ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ፈላማይ ኣምባሳደር ሸይማ

United Kingdom Foreign Secretary William Hague, left, speaks during a press conference at Mogadishu's presidential palace Somalia Thursday, Feb. 2, 2012.
United Kingdom Foreign Secretary William Hague, left, speaks during a press conference at Mogadishu's presidential palace Somalia Thursday, Feb. 2, 2012.

ሚኒስተር ወፃኢ ብሪጣንያ ሚስተር ዊልያም ሄግ ኣብ ውሽጢ 20-ዓመታት ንሞቃድሾ ዝበፅሑ ዘለው ፈላማይ ሚኒስተር ወፃኢ ብሪጣንያ'ዮም።

ሚስተር ዊልያም ሄግ ንሞቃድሾ ዝበፅሑ ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪቃን መሰጋገሪ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ብሓባር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንአልሸባብ ካብ ሞቃድሾ ደፊኦም ድሕሪ ምውፅኦም ተነፃፃሪ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ዝዓሰለሉ'ዩ።

ሚኒስተር ወፃኢ ብሪጣንያ ሚስተር ዊልያም ሄግ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ 20-ዓመታት ኣብ ሶማል ናይ ብሪጣንያ ኣምባሳደር ከም ዝሸሙ'ውን አፍሊጦም'ለው።

ሚስተር ማት ባፍ ኣብ ሶማል ናይ ለንደን ላዕለዋይ ልኡኽ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው። ናይ ሶማል ኩነታት ፀጥታ ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ጎረቤት ኬንያ ኮይኖም ከምዝሰርሑ ሰበስልጣን ብሪታኒያ ኣፍሊጦም ኣለው።

ናይ ብሪታኒያ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዊሊያም ሄግ ኣብዚ ናይ ሶማል ዑደቶም ኣንፃር ሽበራን ኽትራን ባሕርን ዝካየድ ዅናት ንምሕያል ቃል ኣትዮም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG