ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሞቃዲሾ መጥቃዕቲ ንስራሕ ፀጥታ'ታ ከተማ ኣየተዓናቅፎን ኢሎም ሓላፊ ፀጥታ ሶማልያ


ኣል-ሸባብ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ

ተጠባባቂ ምንስትር ድህንነት ሶማልያ፣ድሕሪ‘ቲ ትማሊ ኣብ ሞቃዲሾ ዘጓነፈ ብመኪና ዝተፈፀመ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ጓሂኦም ገሊፆም።

እቲ ናይ ትማሊ ኣብ ሞቃዲሾ ዝተፈፀመ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ንገለ ኣባላት ፓርላማ ሶማልያ ሓዊስካ ንብርክት ዝበሉ ኣቁሲሉ‘ሎ።ኣል-ሸባብ ባዕለይ‘የ ፈፃሚኡ ኢሉ ሓላፍነት ተሰኪሙ‘ሎ።

ተጠባባቂ ምንስትር ድሕንነት ሶማልያ ዓብዲሓኪም ኢገህ፣እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ‘ዚ እዋን ኣብ ሞቃዲሾ ይትግበር ዘሎ ስሉጥ ስራሕቲ ፀጥታ ኣየተዓናቅፎን ኢሎም።

“መጀመርያ፣ብጠንቂ‘ቶም ፈራሓት ትማሊ ኣብ ሞቃዲሾ ዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ህይወቶም ንዝሳኣኑ ሰባት ዘለና ሓዘን እናገለፅና ንቤተ-ሰቦም ፅንዓት ይሃብኩም ክብል ይደሊ።ከምኡውን ኣብ‘ቲ መጥቃዕቲ ዝቆሰሉ ቀልጢፎም ናብ ንቡር ህይወቶም ንክምለሱ ይምነ” ይብሉ እቶም ሓላፊ።

ኣብ ሶማልያ ኣልቦ-ፅቡቅ ምሕደራ፣ንሙሉእ ሃገር ንዘበናት መንግስቲ ኣልቦ ገይሩዋ‘ዩ ፀኒሑ።ሚስተር ኢገህ ግና፣ሶማልያውያን ብሕልፊ ኣብ ሞቃዲሾ ዝርከቡ ዜጋታታ፣ሳላ ተነፃፃሪ ህድኣት ንናብረኦም ምህናፅ ጀሚሮም ኣለው ይብሉ።

ንሶም ወሲኾም “መንግስትና ንሞቃዲሾ ድሕሪ ሓራ ምውፅኡ፣ሰባት ናብ ገዝኦም ይምለሱ‘ለው።ንዝዓነው ኣብያተ-ንግዲን መንበሪን ይሃንፁ‘ለው።ከምዚ ናይ ትማሊ ዝዓይነቱ መጥቃዕቲ ቦምብ ምስ ትሪኢ ግና ስምዒትካ ይጉዳእ’ዩ” ኢሎም።

ሚስተር ኢገህ ወሲኾም፣ሓይልታት ሶማልያን ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ናብ ሞቃዲሾ ሰላም ንክምለስ ዝገበርዎ ኣበርክቶ ዝናኣድ‘ዩ ኢሎም።

ጎደናታት ሞቃዲሾ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ድሕነቶም ዘየሰክፍ እናኾነ ይመፅእ‘ሎ ዝበሉ እቶም መንግስታዊ ባዓል ስልጣን፣መንግስቲ ሶማልያ ሰላም ንክወርድ ንኣል-ሸባብ መፀዋዕታ ኣቅሪቡ‘ዩ፣ግን ካብ‘ቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣዎንታዊ መልሲ ኣይረኸበን ዘሎ ኢሎም።እንተኾነ፣ንሶማልያ ናብ‘ቲ ዝነበረትሉ ናይ ሰላም ጊዜ ንምምላስ ድልየቱ ምስ ዝኾነ ዝኾነ ሓይሊ ንምዝርራብ መንግስቲ ኩሉ-ሻዕ ቅሩብ‘ዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG