ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞቃድሾ ብመጥቃዕቲ አጥፊእካ ምጥፋእ ኣባላት ፓርላማ ሐዊሱ 15 - ሰባት ተቀቲሎም

EDS NOTE: GRAPHIC CONTENT - Somalis observe the bodies of victims of a suicide car bomb attack in the capital Mogadishu, Somalia, Wednesday, Feb. 8, 2012. (AP Photo/Farah Abdi Warsameh)
EDS NOTE: GRAPHIC CONTENT - Somalis observe the bodies of victims of a suicide car bomb attack in the capital Mogadishu, Somalia, Wednesday, Feb. 8, 2012. (AP Photo/Farah Abdi Warsameh)

ኣብ ሶማል ኣብ ሓደ ሆቴል ሞቃድሾ ብሓደ አጥፊእካ መጥፍኢ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣባላት ፓርላማ ሓዊሱ ብውሑዱ 15 - ሰባት ተቀቲሎም። ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባት'ውን ከም ዝቆሰሉ ከም ዘለዉ ተገሊፁ'ሎ።

ናይ ሶማል ጉጅለ ሚሊሽያ አልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ፈፂመ ክብል ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ።

እቲ አጥፊእካ መጥፍኢ ኣብ ጥቃ ፕረዚደንታዊ ቤተ-መንግስቲ ንዝርከቡን መንበሪን መራኸቢ ቦታን ኣባላት ፓርላማ ምኻኑ ዝንገረሉን ሆቴል ሙና ከም ዘጥቅዔ ተገሉፁ'ሎ።

እቲ አጥፊእካ መጥፍኢ ነተጉቲ ዝመልአት መኪና ዘዊሩ ኣብ አፍ ደገ ቤት ሻሂ'ቲ ሆቴል ብዙሓት ሰባት ኮፍ ኢሎም ኣብ ዝነበርሉ'ዩ እዋን'ዩ አንቲጉዎ።

ኣብ 2010 ዓ.ም ወርሒ ነሓሰ ሚሊሽያታት ነቲ ሆቴል አጥቂዖም 6 - ኣባላት ፓርላማ ሓዊሱ 32 ሰባት ከምዝቀተሉ ዝዝከር'ዩ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG