ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞቃዲሾ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ንሓለፍቲ ስፖርት ሶማልያ ቀቲሉ


Somalis stretcher away a man wounded in a blast at the Somali National Theater in Mogadishu, Somalia, April 4, 2012.
Somalis stretcher away a man wounded in a blast at the Somali National Theater in Mogadishu, Somalia, April 4, 2012.

ሚንስቲራት እውን ተለኪሞም

ኣብ ሞቃዲሾ ሃገራዊ ቤተ-ትያትር ዝተፈፀመ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፣ንክልተ ሰበ-ስልጣን ስፖርት ሓዊሱ፣ሸሞንተ ሰባት ኣጥፊኡ።
ነቲ መጥቃዕቲ ባዕለይ‘የ ፈፃሚኡ ኢሉ‘ውን ሓላፍነት ተሰኪሙ‘ሎ ኣል-ሸባብ ጉጅለ ምልሻታት።

ዝራኣዩ መሰላኻኽር፣ቀ/ሚ ዓብዲወሊ መሓመድ ዓሊ፣ንህዝቢ መደረ ምስማዕ ኣብ ዝጀመርሉ ሰዓት፣ሓንቲ ጓለንስተይቲ ከምዝተፈንጀረት ገሊፆም።

እቶም ቀ/ሚን ካልኦት ላዕለዎት መንግስታዊ ሰበ-ስልጣንን፣ምጅማር ፈነወ ቴሌቭዥን ሶማልያ ንምብሳር‘ዮም ኣብ‘ቲ ቦታ ተረኺቦም።

ብጠንቂ‘ቲ መጥቃዕቲ ሓላፊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ሶማልያ ዓደን የበረው ዊሽን ሓላፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሶማልያ ሰዒድ መሓመድ ኑርን ተቀቲሎም‘ለው።ብርክት ዝበሉ ምንስቲራትን ጋዜጠኛታትን‘ውን ቆሲሎም‘ዮም።

ድሕሪ‘ቲ መጥቃዕቲ ብመንግስታዊ ሬድዮ መግለፂ ዝሃቡ ቀ/ሚ ዓሊ፣እቲ ተግባር - ተግባር ፈራሓት ክብሉ ኣነኣኢሶምዎ።

“ዝመፀ ይምፃእ፣መንግስቲ ነቲ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላምን ህድኣትን ሶማልያ ኣየቋርፆን‘ዩ።ዓለም-ለኸ ፈጠርቲ ራዕዲን ኣል-ሸባብን፣ኣብ ዓውዲ ኲናት ክሳዓሩ ከለው፣ንሰላማዊያን ሰባት ዒላማ ምግባሮም ንፅበዮ ነገር‘ዩ።ክሳብ ነቃብፆም ድማ ክንዋግኦም ኢና” ኢሎም ቀ/ሚ ዓሊ።

ቅድሚ‘ቲ ፍንጀራ ኣል-ሸባብ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፣ኣብ‘ቲ ኣዳራሽ ትያትር ቦምብ ቀቢረ‘ለኹ ኢሉ ነይሩ።ንጓለንተይቲ ከምዝጥቀም ግና ኣይጠቀሰን።

ዓቃቢ-ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ንኣል-ሸባብ ካብ ሞቃዲሾ ፀራሪጉ ካብ ዘውፀአሉ ጊዜ ንዳሓር ህይወት ናብ ንቡር ምምላስ ጀሚሩ ነይሩ።

እንተኾነ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጥቃ ቤተ-መንግስቲ ሓዊሱ ንዝተፈፀሙ ዝተፈላለዩ ቅትለታት፣እቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ወጊነ‘ለኹ ዝበለ ኣል-ሸባብ ሓላፍነት ከምዝወስድ ገሊፁ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG