ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞቓድሾ ብዝበፅሐ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ እንተውሓደ 12 ሰባት ተቐቲሎም


Somalia Blast
Somalia Blast
ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ሓደ ካፌ ኣብ መኪና ዝተፃወደ ቦምብ ተፈንጂሩ እንተወሓደ 12 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ናይ ሎማዕንቲ ሓሙስ ፍንጀራ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ጥቓ ዋና ቤት ፅሕፈት ሃገራዊ ፀጥታን ትካል ስለያን እዩ ተፈፂሙ።

ናይቲ ከባቢ ኮምሽነር ኣብዱላሂ ሑሴን ሓሳን መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈፀሞ ቦታ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ዕላማ እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ቤት ምግቢ ይድረሩ ዝነበሩ ሰባት እዮም ኢሎም።ብምስዓብ ’’ ቅድሚ እቲ ቤት ምግቢ ነታ መኪና ብምንታግ ንንፁሃን ሰባት እዮም ቀቲሎም’’ኢሎም።

ካሊእ ናይቲ ከባቢ ኮምሽነር እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ምግቢ ብዙሓት ሬሳታትን ዝቖሰሉን ብምንባሮም መን ስቪል መን ወታደር ምዃኑ ንምዝራብ ኣፀጋሚ ነይሩ ኢሎም።
ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ንሓልታት ፀጥታ ዒላማ ዝገበረ ነይሩ ክብል ሓላፍነት ወሲድሉ’ሎ።
እቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዘሙን ንልዕሊ 17 ሰባት ዝቐተለ ኣብ ፕሬዝዳንታዊ ቤተ መንግስቲ ዝተፈፀመ ምጥቓዕቲ ሓዊሱ ሓል ሓሊፉ ኣብታ ከተማ መጥቓዕቲ ክፍፅም ፀኒሑ’ሎ።
XS
SM
MD
LG