ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ካብ ምሉእ እታ ሃገር ክስዓር እዩ ይብል ኣሚሶም


ንኣዋርሕ ብዝተኻየደ ውግእ ኣዝዩ ዝዓነወ ባካራ ማርኬት ተባሂሉ ዝፅዋዕ መደብር ዕዳጋ ውዕዉዕ ንግዳዊ ውራያት ይካየደሉ’ሎ

ኣብ ሱማሊያ ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪካ ኣል-ሸባብ ምስዓሩ ብወግዒ ኣዊጁ።እቶም ናዕበኛታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ኣብ ሙሉእ እታ ሃገር ከምዝስዓሩ’ውን ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣሚሶን ተንቢዮም ኣለው እዩ።

ዋና ኣዛዚ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሱማሊያ/ኣሚሶም/ ጀነራል ፍረድ ሙጊሻ ከምዝበልዎ ተዋጋእቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ካብ ኩለን ኩርንዓት ከተማ ሞቓድሾ ተፀሪጎም ወፂኦም ኣለው ኢሎም።ሞቓድሾ ብምልእታ ብኣሚሶም ብዝድገፉ ሓይልታት ምክልኻል ሱማሊያ ነፃ ከምዝወፀአት እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

መብዛሕቲኦም ካብ ኡጋንዳን ብሩንድን ዝተዋፅኡ 10 ሽሕ ወታደራት ዝሓቖፈ ሓያል ሰራዊት ኣሚሶን ኣብቲ 11 ኣዋርሕ ዝወድአ ናይ ከተማ ውግእ ድብያ ነቲ ኣኽራሪ ጉጀለ ፀሪጎምዎ ኣለው።

ዋሃቢ ቃል ኣል-ሸባብ ስትራተጃዊ ምንስሓብ እዩ እንተበሎ’ውን ጀነራል ሙጊሻ ግን እቲ ህድማ ስዕረት እዩ ኢሎምዎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ማዕልታት ነታ ከተማ ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ ጋዜጠኛታት ኩነታት ናብ ንቡር ይምለሱ ኣለው ኢሎም።

ንኣዋርሕ ብዝተኻየደ ውግእ ኣዝዩ ዝዓነወ ባካራ ማርኬት ተባሂሉ ዝፅዋዕ መደብር ዕዳጋ ውዕዉዕ ንግዳዊ ውራያት ይካየደሉ’ሎ።ጎደናታት ብመኻይን ተመሊኦም፡ስራሕቲ ህንፀት’ውን ኣብ ሙሉእ እታ ከተማ ብዝለዓለ ደረጃ ይሳለጥ ኣሎ።

ብወፃእተኛታትን ጂሃዲኣይዊያንን ዝድገፉ ኣሽሓት ተዋጋእቲ እንተሃለውዎ’ውን በዚ ንኸዶ ዘለና ቅልጣፈ እንተቐፂልና ኣል-ሸባብ ዘብቅዐሉ እዋን ርሑቕ ኣይኸውንን ኢሎም እቶም ጀነራል።

እታ ከተማ ናብ ንቡር ኣብ እትምለሰሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፁ ኣሃዱታት ፖሊስ ስርዓት ዘስፍኑ ሓይልታት ሱምሊያ ንምስልጣን ናብ ሱምሊያ እናተልኣኹ እዮም።

XS
SM
MD
LG