ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓዱሽ ፕሬዝዳንት ሱማሊያ ምስ ልኡኽ ኬንያ ይዘራረቡ ኣብዝነበርሉ እዋን ስለስተ ናይ ቦምብ መጥቕዕትታት ተፈፂሞም


Somalia Blast
Somalia Blast
ሓዱሽ ፕሬዝዳንት ሱማሊያ ሓሰን ማሕሙድ ምስ ልኡኽ ምንስቴር ወፃኢ ኬንያ ኣኼባ የካይዱ ኣብዝነበርሉ ኣብ ማኸል ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሰለስተ ዓርሰ ቕትለታዊያን ናይ ቦምብ መጥቓዕትታት ፈፂሞም።እቶም ዓርሰ ቕትለታዊያንን ሓደ ወታደር ሕብረት ኣፍሪካን ሓዊሱ እንተወሓደ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።
እቲ ፈላማይ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ክፍፀም እንተሎ ምኽትል ወፃኢ ምንስቴር ኬንያ ሳም ኦንገሪ ካብ ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ዝተልኣኸ ናይ እንዃዕ ደስ በለኩም ደብዳቤ የንቡ ነይሮም።
ድሕሪ እቲ ፍንጀራ ካልኣይ ዓርሰ ቕትለታዊ ናብ ጃዚራ ፓላስ ሆቴል ንምእታው ፈቲኑ”ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪካ ዝተዓጠቖ ቦምብ ቅድሚ ምፍንጃሩ ብወታደራት ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተቐተለ ገሊፆም።
ፕሬዝዳንት ማሕሙድን ንልኡኽ ኬንያን ተኣኪቦም ንዝነበሩ ኣባላት መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ዝባን እቲ ሆቴል ብህድኣት መግለፂ ምሃቦም ቐፂሎም።
እስላማዊ ኣኽራሪ ኣልሸባብ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።
ፀጥታ እቲ ዝልዓለ ብድሆ ምምሕዳሮም ምዃኑ ፕሬዝዳንት ማሕሙድ ገሊፆም ኣለው።
ኣብ ውሽጣ፡ኣብ ጎረባብታን ኣብ ዝተረፈ ዓለምን ሰላም ዘለዋ ሱማሊያ ንምፍጣር ንሰርሕ ኣለና’ውን ኢሎም።
ምሁርን ልዝብ ዝበለ ፓለቲካዊ ቅዋምን ዘለዎም ማሕሙድ ዝሓለፈ ሰኒ እዮም ትፅቢት ብዘይተገበረሉ ኣገባብ ብዝለዓለ ድምፂ ፕሬዝዳንት ኮይኖም ዝተመረፁ።
XS
SM
MD
LG