ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ኮማንደር ፖሊስ ሶማል ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ፈሺሉ


ኣብ ልዕሊ ናይ ሶማል ፖሊስ ኮማንደር ጀነራል ሁሴን ሓሰን ዑስማን ዝተኻየደ ፈተነ ቕትለት ምፍሻሉ ተገሊጹ። እቲ ፈተነ ቅትለት ኣብ ሞቃዲሾ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጠመ ምኳኑ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር።

ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከባቢ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ነታጊ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ምግጣሙ ዝተፈልጠ ኽከውን ከሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ጀነራል ሁሴን ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርኸብ መስጊድ ንምእታው ካብ መኪናኡ ክወጽእ ከሎ ሓደ ውልቀ ሰብ ናብቲ ጀነራል ገጹ ክጎይይ ከሎ ምርኣዮም ይገልጹ።

አባላት ሓለዋ ጸጥታ ነቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓዝሉ እዋን እቲ ተዓጢቕዎ ዝነብረ ነታጊ ብምትኳሱ ሓደ አባል ጸጥታ ምሟቱን ሰለስተ ምቁሳሎም ምንጭታት ካብ ሓይልታት ጸጥታ ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ውልቀሰብ ተዓጢቕዎ ዝነበረ ነታጊ ሒዙ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብኸመይ ክኣትው ከምዝኸአለ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን ።

ጥሩፍ ጉጅለ ግብረ ሽበራ አልሸባብ ሓላፍነት እቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ።

XS
SM
MD
LG