ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ምስ ቱርኪ ናይ ምክልኻል ስምምዕ ትገብር


ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ መሓሙድ
ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ መሓሙድ

ፓርላማ ሶማል ኣብ መንጎ ቱርኪን እታ ሃገርን ዝተበጽሐ ናይ 10 ዓመት ስምምዕ ምክልኻል ሎሚ ረቡዕ ድጋፉ ገሊጹ። በቲ ኣብ መንጎ ቱርኪን ሶማልን ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ፡ ቱርኪ ንገማግም ባሕሪ ሶማል ክትሕሉን ኣብ ምስልጣን ኣባላት ሰራዊት ሶማል ክትሳተፍን ዘኽእል’ዩ።

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ መሓሙድ ነቲ ኣብ ፓርላማ ዝቐረበ ንድፊ፡ “ስምምዕ ምትሕግጋዝ እምበር ናብ ኲናት ዘምርሕ ወይ ድማ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ምትፍናን ዝፈጥር ኣይኰነን፡” ኢሉ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላድን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር፡ ንሶማል ከም ዘቘጥዐ ዝዝከር’ዩ። ምኽትል ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል ዓብዲፈታሕ ቃሲም ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማል ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣይኣቱን’ዩ፡” ድሕሪ ምባሉ፡ “ንገማግም ማያት ሶማል ውሑስ ናይ ምልክልኻል ዓቕሚ እትቕርብ ቱርኪ’ያ፡” ክብል ገሊጹ።

ቱርኪ ኣብ ሶማል ማያዊ ግዝኣት ሶማል ዓቢ ወታሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘለዋ ይፍለጥ። ከም ጸብጻብ መራኸቢታት ቱርኪ ድማ ኣብቲ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ዛጊት ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ሶማላውያን ሰልጢኖም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG