ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኢትዮዽያ ኣብ ትሕቲ ዓቃቢ ሰላም ኣሚሶም ኮይኑ ናብ ሶማልያ ከምዝዋፈር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ


Ethiopian Army
Ethiopian Army
ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ናይ ሱማሊያ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ/AMISOM ዝዋፈሩ ናብ ሰልስተ ሽሕ ዝፅግዑ ወታደራት ክትልእኽ እያ።ቅልውላው ሱማሊያ ካብ ዝጅምር ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕብረት ኣፍሪካ ወታደራት ክትልእኽ እዚ ንፈልማ እዋን እዩ።

ንሱማሊያ ንሓፅር እዋን ብዘመሓደረ ሕብረት እስልማዊ ቤት ፍርዲ ምንቅስቕስን ስግኣትም ግልፅን እዋናውን ሓደጋ ኣንፀላልዩኒ ክትብል ኢትዮጵያ ወታደራታ ናብ ጎረቤት ሃገር ዝለኣኸት ፈላመይቲ ኣፍሪካዊት ሃገር ነይራ።

ወታደራታ ካብታ ሃገር ምስ ኣውፅአት ድሕቲ ሓፂር እዋን እውን ንስግኣት ኣል-ሸባብ ንምውጋድ ብዝብል ወታደራታ ናብ ሱማሊያ ልኢኻ እያ።ሎሚ ድማ ንፈላም እዋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣሚሶም ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝዋፈሩ ወታደራት ከምእትልእኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮምሽነር ሰላምን ፀጥታን ሲማል ቸሩጊ ወታደራት ኢትዮጵያ ምእታዎም ኣብሱማሊያ ዝርከቡ ቁፅሪ ዓቀብቲ ሰላም ናብ 22 ሽሕ ክብ ከብሎ እዩ ኢሎም።
ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ነቲ ዜና ኣረጋጊፆም ኣለው።
XS
SM
MD
LG