ዋሽንግተን —
ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መደብራቱ ንዝተፈነወ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍሻሉ 130 ኣባላት ኣል-ሸባብ ከምዝቐተለ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ገሊጾም።
ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ሓበሬታ ካብ ነጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይካኣለን።
ሚንስተር ሓበሬታ ሶማልያ ኣብ መግለጺኡ እቶም ምልሻታት ነቲ ኣብ ታሕተዋይ ዞባ ሸበሌ ዘሎ መዓስከራት ከምዘጥቅዑ ጠቂሱ ኣሎ።
ሚንስትሪ ሓበሬታ ሶማልያ ዝዘርገሖ መግለጺ "ኣልሸባብ፣ ኣዝዩ ተወቂዑ እዩ፣ ጅግና ሰራዊትና፤ ንዝተረፉ ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ይሃድኖም ኣሎ፣ ሶማልያ ኣብ ውግእ ጸረ ግብረ ሽበራ፣ ኣይትምብከኽን’ያ" ይብል ።
ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ዝወረደ ጉድኣት ኣመልኪቱ ግና እቲ ቤት ዕዮ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
ቅጥዒ