ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ንሓደ ወታደራዊ መደብር ሱማሊያ ንሓፂር እዋን ተቖፃፂሮም ከምዝነበሩ ተሓቢሩ


ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ኣብ ደቡባዊ ሱማሊያ ንዝርከብ ወታደራዊ መደብር ሎማዕንቲ ዓርቢ ንሓፂር እዋን ተቖፃፂሮምዎ ከምዝነበሩ ተሓቢሩ።እዚ እቲ ጉጅለ ኣብዚ ወርሒ እዚ ይፍፅሞም ካብ ዘለው ሓያሎ ዓበይቲ መጥቓዕትታት ዳሕረዋይ እዩ።

ምኽትል ኣማሓዳሪ ዞባ ታሕታይ ሸበለ ዓሊ ኑር ንቪኦኤ ክፍሊ ሱማሊኛ ኣብዝሃብዎ ቃል ‘’እቶም ናዕበኛታት መጥቓዕቲ ብምፍፃም ብኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ ሞቓድሾ 120 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ ንእትርከብ ወታደራዊ መደብር ያቅባሪወይን ኣጥቒዖም’’ኢሎም።

ወታደራት ሱማሊያ ምስቶም ናዕበኛታት ከቢድ ውግእ ድሕሪ ምክያዶም ነታ ከተማ መሊሶም ተቖፃፂሮምዋ እውን ኢሎም ብምስዓብ ምኽትል ኣማሓዳሪ ዓሊ።

ኣል-ሸባብ ኣብቲ ውግእ ን11 ወታደራት ቐቲለ ኣለኹ ክብል ከሎ መሰኻኽር ዓይኒ ግን እቲ ቁፅሪ ናብ ትሽዓተ የውርዱዎ።

ኣል-ሸባብ ትማሊ ሓሙስ እውን ካብ ከተማ ሞቓድሾ ብኣንፈት ደቡብ 60 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ንዝርከብ ወታደራዊ መደብር ጃናሌ ወታደራት ሕብረት ኣፍሪካ ብሃንደበት ገዲፎምዎ ምስወፁ ተቖፃፂሩዎ ኣለው።

ትማሊ ሓሙስ ድማ ኣል-ሸባብ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኪስማዮ ኣብ ዝርከብ ወታደራዊ ካምፕ ብዝቐበሮ ቦምብ እንተወሓደ ሰለስተ ወታደራት ተቐቲሎም ኣለው።

ናይ ሱማሊያ ፕሬዝዳንት ሓሳን ሸኽ ማሕሙድ ንኣግልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣል-ሸባብ ንገለ ናይ ገጠር ዓድታት ምሓዞም ብምእማን እንተኾነ ግን ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘይብሎም ቦታታት እዮም ክብሉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG