ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ሱማሊያን ሕብረት ኣፍሪካን ተወሰኽቲ ከተማታት ካብ ኣል-ሸባብ መንዚዖም


Somalia
Somalia
ሓይልታት መንግስቲ ሱማሊያን ሕብረት ኣፍሪካን ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ብዘለዎ ኣል-ሸባብ ተታሒዞም ዝነበሩ ግዝኣታት መሊስና ተቖፃፂርና ኢሎም።እቲ መጥቓዕቲ ኣል-ሸባብ ሒዙዎም ካብ ዝርከቡ ዝተረፉ ፅኑዓት ትሕዝቶታት ንምምሓው ገና ይጅመር እዩ ዘሎ ኢሎም ሓደ ብዓል ስልጣን መንግስቲ።

ኣካል ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ /AMISOM/ ብዝኾኑ ወታደራት ኢትዮጵያ ዝተሓገዙ ሓይልታት ሱማሊያ ኣንፃር ኣል-ሸባብ ስርሒቶም ዝጀመሩ ዝሓለፈ ዓርቢ እዮም።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሱማሊያ ዓብዲራሕማን ኦማር ዑስማን ወታደራት ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ዝነበራ ቁልፊ ከተማታት መሊሶም ተቖፃፂሮምወን፤ዓብዪ ዕንቅፋት እውን ኣየጋጠመን ይብሉ።

ዛጊድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ሱማሊያን AMISOMን እንተወሓደ ኣብ ክልተ ዞባታት በይን ባኩልን ንዝረክባ ሓሙሽተ ከተማታት ካብ ኣል-ሸባብ መንዚዖም ኣለው ኢሎም።
ኣብ ደቡብ ሱማሊያ ዝዓበየ መደብር ኣል-ሸባብ ዝነበረት በርዱሑቦ ሓዊሱ ክልተ ከተማታት ኣብ ዞባ ጌዶ ይርከባ።

ወሃቢ ቃል ኣሚሶም ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ ወታደራት ሕብረት ኣፍሪካ ይመፁ ከምዘለው እንተሪኦም መብዛሕቲኡ ግዜ የንሳሕቡ እዮም እንተበሉ እውን ነበርቲ ግን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብቲ ከብቢ ከቢድ ውግእ ከምዝሰምዑ ገሊፆም ኣለው።

ዑስማን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ይካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ዝዓበየ ወታደራዊ ወፍሪ መጀመሪያ ምዃኑ ከምዚ ይብሉ ‘’ዕላማና ኣል-ሸባብ ተቖፃፂሩዎም ዝርከቡ ኩሎም ከባቢታት ክሳብ ንሕዞም እዚ ስርሒት እዚ ጠጠው ንዘይምባል እዩ።’’

ናይ ስልጣን ክፍተት ከይፍጠር መንግስቲ ኣብተን ነፃ ዝወፃ ከተማታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቕራብ መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ንምሃብ ከባቢያዊ ምምሕዳር የጣይሽ ኣሎ ኢሎም ዑስማን።
መራሒ ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ኣብዲ ጎዳኔ ንጂሃድ ደጋዲ ኣብዝኾነ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ኣብዘውፅኦ ናይ ድምፂ መልእኽቲ ሱማሊያዊያን ኣንፃር ናይ ወፃኢ ሓይልታት ብረት ከልዕሉ ፀዊዑ’ሎ።
‘’ተዋጋእቲ ንሃይማኖትኩም ንምሕላውን ኣንፃር ፀላእቲ ንምውጋእን እፅውዕ ኣለኹ’’ ምስ በለ ‘’ኣሽሓት ኪሊ ሜትር ተጓዒዞም ዝመፁ ወታደራት ኢትዮጵያ ክስዕርኹም የብሎምን’’ ኢሉ።
XS
SM
MD
LG