ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነባራይ ኣሜሪካ ነበር ኣባል ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማልያ ተማሪኹ


ዓቃቢ ሕብረት ኣፍሪቃ
ዓቃቢ ሕብረት ኣፍሪቃ

ኣባል ኣል-ሸባብ ዝነበረ ሓደ ኣሜሪካዊ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ከምዝተማረኸ፣ ሰበ-ስልጣን ሶማልያ ትማሊ ሶኒ ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ቪኦኤ ኣቀዲሙ ዝፈነዎ ዜና ሪኢቶ ዝሃበ ቤት ዕዮ ምኒስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ፣ንሱ ናብ ሰበ-ስልጣን ሶማልያን ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ወደባዊት ከተማ ባራዌ ኢዱ ከምዝሃበ ኣረጋጊፁ’ሎ።

እቲ ውልቀ-ሰብ መሓመድ ዓብዱላሂ ሓሰን ወይካኣ ብሳጉኡ ሚስኪ ዝባሃልን፣ ኣብ ሶማልያ ዝተወልደ፣ ግን ቀዋሚ ነባሪ ኣሜሪካ’ዩ።

ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ ብዛዕብኡ ምስ መንግስቲ ሶማልያ ይዘራረበሉ ኣሎ። ክልቲኤን ሃገራት፣ ጥርጡራትን ገበነኛን ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ውዕል ኣይፀንሐንን።

ሰበ-ስልጣን ሶማልያ፣ መሓመድ ሓሰን፣ድሕሪ ኣል-ሸባብ ኣብ ክልተ ምግምዑ፣ ካብ ብፆቱ ንዝተሃቀኖ ፈተነ ቅንፀላ’ዩ ሃዲሙ ይብሉ።

ኣል-ሸባብ፣ ምስ ኣል-ቃይዳ’ዶ ምስ ዳዕሽ ስምረት ንቀፅል? ኣብ ዝብል ክትዕ ኣብ ክልተ ተገሚዑ’ዩ ዝርከብ።

XS
SM
MD
LG