ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ዝተዋፈረ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክወጽእ ምዃኑ ተገሊጹ


ኣብ ሶማል ዝተዋፈረ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክወጽእ ምዃኑ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:23 0:00

ኣብ ሶማል ዝተዋፈረ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክወጽእ ምዃኑ ተገሊጹ

ኣብ ሶማል ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ቀስ እናበለ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ 2024 ይወጽእ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ሓይልታት ሶማል ባዕሎም ጸጥትኦም ክሕልዉ ምዃኖም`ውን ዝወጸ መደብ የመልክት።

ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣንጻር ዕጡቓት ኣልሸባብ ንመንግስቲ ንምሕጋዝ

ሶማል ዝኣተወ ኣብ 2007 ኮይኑ፡ ንዝሓለፉ 16 ዓመታት ድማ ኣብ ደቡባውን ማእከላይ ሶማል ንትካላት መንግስትን ካልእን ክሕሉ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ሓይልታት ሶማል ጉዳዮም ባዕሎም ሓላፍነት ክወስዱሉ ተበጊሶም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ `ውን 2-ሽሕ ዓቀብቲ ሰላም ካብታ ሃገር ወጽዮም`ዮም፤ ክሳብ መወዳእታ`ዚ ወርሒ ድማ ካልኦት 3-ሽሕ ክወጹ መደብ ኣሎ። ለ/ጀነራል ሳም ኦኪንግ ኣዛዚ`ቲ ብእንግልዝኛ ምሕጻረ ቃል `ኣትሚስ` ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሶማል ዝወፈረ ዓቃቢ ሰላም`ዩ። ክፍተት ጸጥታ ንከይፍጠር እቲ ምውጻእ በብደረጅኡ`ዩ ክኸውን ይብል።

"ብሓደ ግዜ ዝግበር ስጉምቲ ኣይኮነን። ብሓደ ግዜ ዝግበር እንተዝኸውን ኣይምገበርናዮን፡ ምኽንያቱ ነገራት ክበላሾ ስለዝኽእል። እዚ ግን ብስሩዕ ኣገባብ በብደረጅኡ ዝግበር`ዩ።"

ዳይሬክተር ትካል ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ሶማል ዝነበረ ዓብደራሕማን ሞሓመድ ጡርያረ ብወገኑ፡ ሰራዊት ሶማል ንዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ ድሉው ዝኸውን ክልተ ነገራት እንተ ተማሊኡ ጥራይ`ዩ ይብል፡፡

"ቀዳማይ ቅድመ ኩነት ፡ ሓይልታት ሶማል ማዕረ`ቲ ዓቀብቲ ሰላም ዝነበሮም ንብረትን መሳርሕታትን ክወሃቦም ኣለዎ። ካልኣይ ድማ፡ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝተነብረ እገዳ ኣጽዋር ክልዓል ክኽእል ኣለዎ።"

እንተኾነ ሓይልታት ሶማል እኹል መሳርሕታት የብሎምን ኣብ ዝብሃለሉ እዋን፡ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሚንስትሪ ምክልኻል ሶማል ኢብራሂም ሓሰን ሓጂ፡ ሰራዊት ሶማል ጸጥታ ሶማል ንምሕላው እኹል ዓቕሚ ኣለዎ ይብል።

"ከም ትፈልጥዎ `ኣትሚስ` ሒዞሞ ዝነበሩ ቀዳማይ ዕርዲ መዋፈሪ ቦታታት፡ ፡ሓይልታት ሶማል ተኪኦሞ`ዮም ዘለዉ። ስለዚ ነዚ ቦታታት`ዚ ምቁጽጻሮም ክቕጽሉ`ዮም።”

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሶማል ዝነበረ ሓሰን ሸኽ ብወገኑ፡ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምውጽኡ ሶማል ዝያዳ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገራዊ መንግስቲ ዘለዋ፡ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ቁሊሕ ከይበለት ጸጋታት ህዝባ እትጥቀም ክትከውን ኣለዋ ይብል።

“ሕብረት ኣፍሪቃ ነታ ሃገርን ህዝባን ክሕግዝ ጸኒሑ`ዩ። ምስ ወጸ ግን ህዝቢ ሶማል ንጉዳዩ ባዕሉ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ። ሃገራዊ መንግስቲ ኣቑሙ፡ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ከይተጸበየ ባዕሉ ዓቕምን ሓይልን ሶማላውያን ኣወሃሂዱ ክሰርሕ ኣለዎ።”

ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ 2007 ጀሚሩ ኣንጻር ኣልሸባብ ንመንግስቲ ሶማል ክሕግዝ ዝጸንሐ`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ምስ ኣልሸባብ ዝካየድ ውግእ ሕጂ`ውን ኣየብቅዐን፡እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ገና ሕጂ`ውን ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘለዋ ናእሽቱ ከተማታትን ቁሸታት ኣለዋ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG