ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ሱማሊያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዘራረቡ ኣለው


ኩሎም ወገናት ኣፈላልዮም ንምፍታሕ ኣበርቲዖም እናሰርሑ እዮም ተባሂሉ

መራሕቲ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ሱምሊያ ዝበነ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ምስኣብቅዐ ንዘጋጥሙ ኣገደስቲ ዛዕባታት ንምፍታሕ ምስ ዓለምለኸ ኣደራደርቲ ተራኺቦም እናተዘራረቡ እዮም።

ኩሎም ሱማሊያዊያን ላዕለዎት ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብቲ ንኽልተ ማዕልታት ዝፀንሕ ዕፁው ኣኼባ ይሳተፉ ኣለው።ፕሬዝዳንት ሱማሊያ ሸኽ ሸሪፍ ኣሕመድ፡ቀዳማይ ምንስተር ዓብዲወሊ መሓመድ ዓሊ ከምኡ’ውን ኣፈጉባኤ ፓርላማን ንዓርሳ ከምሃገ ናይ ዝኣወጀት ፑንትላንድ ፕሬዝዳንትን ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ ኣለው።ኣብ ሱማሊያ ዝፀንሐ ቅልውላው ንኸብቅዕ ድልየት ዘለዎም ካልኦት ኣካላትን ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፉ እዮም።

እቲ እማመ ከም ኖተግቲ ዝተቐበሮ ማይዳ ብተባራዕቲ ዛዕባታት ዝተመልአ እዩ ክብሉ ሓደ ዲፕሎማሰኛ ይዛረቡ።ካብቶም ተባራዕቲ ዛዕባታት ሓደ ካብ ኩሎም ሱማሊያዊያን ተነሓናሕቲ ዓሌታት ምምራፅ 825 ዓብየቲ ዓዲ ዝምልከት ጉዳይ እዩ።እዚ ጉጀለ ዓበየቲ ዓዲ ንሕገ መንግስቲ ከፅድቕን ድሕሪ መሰጋገሪ ናይ ዝህሊ ፓርላማ ክመርፅን እዩ።ፓርላማ ዝቕፅል 15 ሰኒ ኣ/ፈ ንክምረፅ እቲ እማመ ይፅውዕ።

ቀዳማይ ምንስቴር መሰጋገሪ መንግስቲ ሱማሊያ ዓብዲወሊ መሓመድ ዓሊ ኩሎም ፓርትታት ብቅንዕኛ እንድሕር ተደራዲሮም ኣብቲ ዝተቐመጠሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ክሳኻዕ እዩ ክብሉ እምነቶም ይገልፁ።

እቶ ቀዳማይ ምንስቴር ቅድም ክብል ኣብዝሃብዎ ቃለመጠይቕ ነቲ ናይ ነሓሰ መፅብዓ ምርጫ 825 ዓበይቲ ዓዲ ወሳኒ እዩ ክብሉ ተሰሚዖም ኣለው።

ሓላፍነት መሰጋገሪ መንግስቲ ንኸብቅዕ 90 ማዕልታት ኣብዝተተፈሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሎም ወገናት ኣፈላልዮም ንምፍታሕ ኣበርቲዖም እናሰርሑ ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG