ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማል ኣብ መንጎ ነገዳት ብዝተላዕለ ጎነጽ 55 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ሶማል - ፋይል
ሶማል - ፋይል

ኣብ ማእኸላይ ሶማል ኣብ መንጎ ክልተ ነገዳት ብዝተወልዓ ግጭት ብውሑዱ 55 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 155 ድማ ቖሲሎም።

ፌደራል መንግስቲ ሶማል ምስ ኣል-ቓይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣል-ሸባብ ይፍንዎ ዘሎ ህውከት ከምኡ እውን ብሰንኪ መሬትን ማይን ኣብ መንጎ ነገዳት ንዝፍጠሩ ግጭታት ንምቁፅፃር ይቃለስ ምህላው ይገልጽ። እቲ ጎነጽ ኣብ መንጎ ቅድሚ ዓመታት ብሓባር ኮይኖም ኣንፃር ኣል-ሸባብ ይዋግኡ ዝነበሩ ነገዳት ዲርን ማሪሓን እዩ ተኻይዱ። ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ እቲ ህውከት ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ብምኽኒያት መሬትን ማይን እዩ ተላዒሉ።

ንመራኽቢ ብዙሃን ቃሎም ዝሃቡ ሓደ ዓብዪ ዓዲ ሓይልታት መንግስቲ ደንጉዮም ብምፅሖም ካብ ክልቲኦም ነገዳት 55 ሰባት ምሟቶም ገሊፆም። ሓካይም ሆስፒታላት እቲ ከባቢ ን115 ዝቖሰሉ ሰባት ከም ዝሓከሙ ገሊፆም ኣለው። ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ምምሕዳር እቲ ከባቢ ንሮይተርስ መልሲ ኣይሃቡን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG