ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ይፋለሙ


ፋይል- ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ(AMISOM) ሶማል
ግንቦት 22,2012 ዓ.ም.ፈ
ፋይል- ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ(AMISOM) ሶማል ግንቦት 22,2012 ዓ.ም.ፈ

ጉጅለ ግብረ-ሽበራ ዳዕሽ ናይ ሶማል ናይ መጀመርያ መጥቃዕቱ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ሃገር ምፍጻሙ ገሊጹ`ሎ፡ ሽሕ`ኳ ኣብ`ቲ ባይታ ብዘለዉ ሓይልታት ክረጋገጽ እንተዘይከኣለ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሶማል ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ምድላው ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ዘካየድዎ መጥቓዕትታት ሐይሉ`ሎ።

ሰራዊት’ታ ሃገር ሕጂ’ውን ድሕሪ 25 ዓመታት ንሶማል ከረጋግእ ብዘይምኽኣሉ ኣብተን ንሶማል ዝድግፋ ምዕራባውያን ሃገራት ተስፋ ምቁራጽ ይስተውዓል ኣሎ።

ሰበ-ስልጣን ሶማል ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ዘመዝግብዎ ዓወት ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ መጥቓዕትታት ካብቲ ጉጅለ ይረአ ከምዘሎ ይገልጹ። ክሳብ 2014 ዓ.ም.ፈ ሚኒስትር ምክልካል ሶማል ዝነበሩ ዓብደልሃኪም መሃሙድ ሓጂ-ፋቂ ብዛዕባ’ዚ እዋናዊ ኩነታት’ታ ሃገር ከምዚ ይብሉ።

‘ኣቀዲሙ ዝጸንሓ ስትራቴጂ ኣል-ሸባብ ተቀይሩ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ወታደራዊ መዓስከራት፡ ሰላማዊያን ሰባት ብብዝሒ ዝንቀሳቀስሉ ከም ሆቴላት ዝዓመሰሉ ቦታታትን ዒላማ ብምግባር’ዮም ዘጥቕዑ ዘለው በዚ ድማ ሰላማዊያን ሰባት ከፈራርሑ ይክእሉ።’

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንወታሃደራዊ ሰበ-ስልጣን ዒላማ ዝገበረ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቓዕትታት ተኻይዱ`ዩ፡ ብዙሕ ካብኡ ኣብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ዝተፈጸመ`ዩ ።

ኣብ ናይ ብሪጣንያ ሮያል ዩናይትድ ኢንስትዩት ተመራማሪት ዝኾና ካቲ ሃነሊን ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማል ዘለዎ ምቁጽጻር ይስእን ኣሎ ግን ኸአ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ የስፋሕፍሕ ኣሎ ይብላ። ብተወሳኺ ንሰን ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ (AMISOM) ዋላ’ዃ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኣል-ሸባብ ዝነበረ ብዙሕ ክፍለ- ግዝኣታት እንተኣምለሱ ኣብ ከባቢ ወታሃደራዊ መዓስከሮም ጥራይ ዝተሓጽሩ’ዮም ይብላ።

መሻርኽቲ ሶማል ዝኾና ሃገራት ምዕራብ ኣሜሪካ ሓዊስካ፡ ንደሞዝ ሰራዊት ሶማል ኣብ ምክፋል ከይተረፈ ምስታፈን ይፍለጥ። ሕብረት ኣውሮጳ ብኣንጻሩ ወርሓዊ ንሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኸፍሎ ዝነበረ ክፍሊት ኣቋሪጽዎ’ሎ። ሚኒስተር ምክልካል ሶማል ነበር እቲ ሓገዝ ሃገራት ምዕራብ ክቕጽል ይጽውዑ።

ኣሜሪካ ብወገና ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ሶማል ምክያዳ ይፍለጥ። መንግስቲ ሶማል'ውን ነዚ ምትእትታው ዝተቐበሎ ኮይኑ ምስ ምቅራብ ሃገራዊ ምርጫ እቲ ስግኣት ከምዝዓብይ ክገለጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሶማል፡ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ይፋለሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:26 0:00

XS
SM
MD
LG