ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ በለድወይ ሶማል ብውሕጅ ተዕለቕልቕ


ኣብ ሶማል ከተማ በለድወይን ትማሊ ሰንበት 26 ግንቦት 2024 ምዕልቅላቕ ውሕጅ ከምዘጋጠመ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ውሕጅን ንገማግም ፈለግ ሸበሌ ድሕሪ ምፍራሱ እታ ከተማ ምዕልቕላቓ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝዘርግሖ ምስሊ ሓያሎ ኣባይቲ በቲ ውሕጅ ተዋሒጦም ዘርእይ ኮይኑ ነበርቲ እቲ ውሕጅ ንብዙሓት ነበርቲ’ታ ከተማ ከምዝጸለወ ገሊጾም ኣለው።

መንግስቲ ሶማል ከጋጥም ዝኽእል ተመሳሳሊ ተርእዮ ነበርቲ ክጥንቀቑ ኣዊጁ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG