መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ንሕገ መንግስታዊ መሰላት ህዝቢ ሶማሌ ይጥሕስ ኣሎ፣ ከምኡ'ውን ግንባር ሓርነት ሶማሌ ፖለቲካዊ ዕላምኡ ብሰላማዊ ኣገባብ ንከዕውት ዘኽእሎን ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝተኸትመ ሰነድ ሰላም ጥሒሱዎ’ ክብል ግንባር ሓርነት ሶማሌ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ።
እቲ ግንባር ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ሶማሌ ዘሻቕል ተግባራት ይፍጽሙ ከምዘለው ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ ብመንጽር ኣብ ሞንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ሶማሌ ናይ ሶማሌ መንነቶም መሰረት ዝገበረ ዘዋርድ ተግባር ይፍጸሞም ከምዘሎ ጠቂሱ። ብዘይካ'ዚ፣ መጸውዒን ባንዴራን ክልል ሶማሌ ንምልዋጥ ምንቅስቃስ ከምዘሎ ብደረጃ ወረ ከምዝበጽሖ እቲ ግንባር ይሕብር።
ፕረዚደንት’ቲ ክልል ሙስጦፋ መሓመድ ግና ነቲ ብግንባር ሓርነት ሶማሌ ዝቀረበ ክሲ ነጺጎምዎ ኣለው። ኣቶ ሙስጦፋ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ክልል ሶማሌ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ ትጽቢት ሰላምን ምዕባለን ይምዝገበሉ ከምዘሎ መጸውዒን ባንዴራን ንምልዋጥ መደብ ከምዘይጸንሐ’ውን ጠቂሶም።
ቅጥዒ