ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ሶማልያ፡ 'ዝወደቐት ነፋሪት አብ ኢድ ዕጡቓት'ያ" ፕረዝደንት ሶማል


ፕረዝደንት ሶማል ሰበ-ስልጣን ንጉዳይ'ታ ዝተሃምሸሸት ነፋሪትን ካብአ ዝደሓኑ ሰባት በአልሸባብ ተጨወዩም ከይከውን ይምርም'ሎ ክብል አፍሊጦም።

ፕረዝደንት ሓሰን ሸክ መሓሙድ ንድምጺ አሜሪካ ቋንቋ ሶማል ሎሚ ዓርቢ አብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ እታ ነፋሪት አብ ኢድ ነቶም ተጓዓዝቲ ዝጨወዩ ሸፋቱ ወይ ሚሊሻታት ወዲቃ'ላ ኢሎም'ለው።

እታ ንእሽቶይ ነፋሪት ካብ 9-11 ሰባት ሒዛ ምንባራ እንተኾነ መንነት እቶም ተጓዓዝቲ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጹን።

ስሞም ክገለጽ ዘይደለዩ ምንጭታት እታ ነፋሪት ሰራሕተኛታት ጸጥታ'ታ ሃገር ተኾናቲሮማ ምንባሮም ገሊጾም'ለው።

እታ ነፋሪት ብረቡዕ ካብ ሞቃዲሾ ብሸነክ ምዕራብ 25 ኪ.ሜ ርሒቃ አብ ዝርከብ ጥቓ በአልሸባብ ዝቆጻጸርዎ ቁሸት ዑመር ዳርዲሪ አብ እዋን ብርቱዕ ዝናብ'ያ ተሓምሺሳ ክብሉ መሰኻከር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG