ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትር ህዝባዊ ስርሓትን ዳግመ ህንጸት ሶማል ምቕታሎም ተገሊጹ


ሚኒስትር ህዝባዊ ስርሓትን ዳግመ ህንጸት ሶማል ዓባስ ዓብዱላሂ ሸኽ ሲራጂ
ሚኒስትር ህዝባዊ ስርሓትን ዳግመ ህንጸት ሶማል ዓባስ ዓብዱላሂ ሸኽ ሲራጂ

ናይ ሶማል ሚኒስተር ህዝባዊ ስራሕትን ዳግመ ህንፀትን ዓባስ ዓብዱላሂ ሸኽ ሲራጂ ኣብ ጥቓ ፕረዝደንታዊ ቤተ መንግስቲ’ታ ሃገር ብጥይት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ፀጥታ ገሊፆም።

ሚኒስትር ሲራጂ ካብ ኩሎም ሚኒስትራት ብዕድመ ዝነኣሱን ኣብ ኬንያ ካብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳዳብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ መንጎ ፈላሞት ዝተመልሱ ሶማልያዊያን ስደተኛታትን እዮም።

ዋና ኦዲተር ኑር ጂማሌ ሓለውቶም ደድሕሪኦም ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ናይ ርእሰቕትለታዊን እያ ኢሎም ብምጥርጣሮም ኣብ መንጎ ናይ ክልቲኦም ሰበስልጣን ዓጀብቲ ምልውዋጥ ቶኽሲ ነይሩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ሚኒስትር ሓበሬታ ዓብዲራሕማን ዑማር ዑስማን ሞት ናይቶም ሚኒስትር ንምርግጋፅ ምርመራ ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG