ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ሶማሌ ንስልጣን ፕሬዝዳንት ፋርማጆ ብኽልተ ዓመታት ኣናዊሑ


ታሕተዋይ ፓርላማ ሶማሊያ ንስልጣን መንግስቲ ፕሬዝዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብኽልተ ዓመት ኣናዊሑ።ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ግን እቲ ስጉምቲ ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ኢሉዎ ኣሎ።ታሕተዋት ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳያት ምርጫ ክውስን ስልጣን ኣለዎ።

149 ኣባላት ዘለዎ ፓርላማ እታ ሃገር ናይ ፕሬዝዳንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ናይ ስልጣን ግዜ ንክልተ ዓመት ክናዋሕ ኣፅዲቑዎ ኣሎ።ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦን ሰለስተ ተቓውሞን እዩ ፀዲቑ ዘሎ።

ድሕሪ ደቓይቕ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር እቲ ውሳነ ሕገ መንግስታዊ ኣይኮነን ክብል ተቓዊሙዎ ኣሎ። ይኹን እምበር ብመሰረት ግዚያዊ ሕገመንግስቲ ሶማሊያ ጉዳያት ምርጫ ንታሕተዋይ ቤት ምኽሪ እዩ ስልጣን ዝህብ።

እቲ ደውታ ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪካን፣ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት መሻርኽቲ መንግስቲ ሶማሊያን ዝተገብረ ፅቕጢ ኣይተዓወተን።

ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ መሓመድ ሙርሳል ኣባላት ቤት ምኽሪ ከም ናይ ህዝቢ ተወከልቲ ብሓላፍነት ክ ውስኑ ኣለዎም ክብሉ ሎማዕንቲ ሶኑይ ተዛሪቦም ኣለው።

‘’ናይታ ሃገር ረብሓ ዝውክሉ ክሳብ ዝኾኑ ዜጋታት ንውሳንኦም ይፅበዩ ኣለው ነዚ እውን እቲ ምርጫ ንኽልተ ዓመት ክናዋሕ ዝተገብረ እዮም’’ ኢሎም።

ብቴክኒካዊ ኣዘራርባ 8 ለካቲት ናይ ስልጣን እዋኖም ዘብቅዐ ፕረዝዳንት ፋርማጆ ነቲ ስጉምቲ ሽዑ ንሽዑ ብታሕጓስ ተቐቢሎምዎ ኣለው።

ኣባል ተቓዋሚ ዝኾኑ ቀዳማይ ምንስቴር ነበር ሓሳን ዓሊ ኻይር ምንዋሕ ፕሬዝዳንታዊ ናይ ስልጣን ግዜ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለው ክብሉ ተቓዊሞምዎ።ስልጣኑ ይውድእ ዘሎ ፕሬዝዳንት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ናብ ሓደገኛ መንገዲ ዝወስድ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

XS
SM
MD
LG