ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞቃዲሾ ርሱን ክትዕ ዘካየዱ መራሕቲ ሶማል፣ ምርጫ ብዛዕባ ዝካየደሉ ኣገባብ ብምስምማዕ ውዕል ፈጺሞም።

ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ብመሰረት ትማሊ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ሶማል ክልተ ኣብያተ ምኽሪ ክህልዋ’ዩ። 275 መናብር ዝህልዎ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ፣ 54 መናብር ዝሕዝ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ። ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ብመሰረት 4.5 ፎርሙላ ዝህዝ ውክልና ነገዳት፣ መናብር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ድማ ብክልላት ዝታሓዝ’ዩ።

ካብ’ቶም 54 መናብር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ፣ ብማዕረ ንክልላት ዝከፋፈል ኮይኑ ከምኡ’ውን እቶም 6 መናብር ንሶማሊላንድን ፑንትላንድን ክኸውን’ዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ሶማል 30 ሚእታዊት መናብር ክሕዛ’የን።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኣካል ምሕንጻጽ ሕገ-መንግስቲ ሶማልያ ዝነበረት ፑንትላንድ፣ ነቲ ኣብ ነገድ ዝተመስረተ ምምቕቓል መናብር ቤት ምኽሪ ነጺጋቶ’ላ።

ንምትግባር ምርጫ ኣብ ሶማል ብመራሕቲ’ታ ሃገር ስለዝተነጸረ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ታሕጓሶም ገሊጾም።ንመራሕቲ ሶማል እንዃዕ ኣሓጎሰኩም ዝበሉ ሚስተር ባን ኪሙን፣ እቲ ስምምዕነት ኣብ ሶማል ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ንክፍጸም ሓጋዚ’ዩ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ብሕልፊ ውክልና ደቂ-ኣንስትዮን ንውሑዳንን ዘረጋገጸ ስለዝኾነ ፍሉይ ናእዳ ይግባእ ኢሎም።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG