ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱማሊያ ክልላዊ መንግስቲ ጁባላንድ ንምፍጣር ክካየድ ዝፀንሐ ዝርርብ ይዳኸም ከምዘሎ ተሓቢሩ


Kismaayo
Kismaayo
ኣብ ደቡባዊ ሱማሊያ ፌደራላዊ መንግስቲ ጁባላንድ ንምፍጣር ንኣዋርሕ ዝርርብ ክካየድ እንተፀንሐ’ውን ኣብ መንጎ ማእኸላይ መንግስትን ከባቢያዊ ተዋሳእትን ዘሎ ርክብ እናደኸመ ይኸይድ ኣሎ።ኣብ ወደባዊት ከተማ ኪስማዮ ዘሎ ናይ ስልጣን መን ሓዘ ምስሕሓብ ንናይታ ሃገር ሓድሽ ኣገባብ ምምሕዳር ፌደራል ኣብ ጥርጣረ ኣእትይዎ ይርከብ።

ክሲማዮ ብሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ካብ እትሓዝ ዝሓኣለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ፖለቲከኛታት፣ዓበይቲ ዓድን ናይቲ ከባቢ ሚሊሺያታትን ብበይነ መንግስቲ ምብራቓ ኣፍሪካ /ኢጋድ/ ዝተዋደደ ዝርርብ ክካየድ ፀኒሑ እዩ።

800 ተወከልቲ ማሕበረሰባት ዞባታት ጌዶ፣ታሕታይን ማእኸላይን ጁባ ነቲ ሓድሽ ክልል ዝኸውን ሕገ መንግስቲ ንምጥያሽ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉባኤ ኣካይዶም ነይሮም።እቲ ኣኼባ ንረብሓ ሓያላት ተወሳእቲ ብዝጥዕም ዝተቓነየ እዩ ክብሉ ገለ ተሳተፍቲ ይዛረቡ።

ንደሕንነቱ ክብል ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ተወካሊ እቲ ኮንፈረንስ ሓይልታት ኬንያ ንኪስማዮ ካብ ኣል-ሸባብ ነፃ ንምውፃእ ብዝሓገዘ ብመራሒ ሚሊሽያ ራስ ካምቦኒ ኣሕመድ ማዶቤ ዝተዓብለለ እዩ ይብል።

እቲ ኮንፈረንስ ዘይሻራውን ሕድ ሕድ ዞባ ብነፃ ሓሳቡ ዝገልፀሉን ክኸውን ነይሩዎ ዝበለ ንዝይ ነቲ ሕገ መንግስቲ ንምፅዳቕ’ውን 500 ተወከልቲ ክሳተፉ እንተነበሮም እውን 870 ተወከልቲ ኣብቲ ኣኼባ ምትካቦምን ገሊኦም ተወከልቲ ናይ ስቪል ዝተኸደኑ ሚሊሽያታት ራስ ካምቦኒ እዮም እዩ ይብል።ሪኢቶታት ማዶቤ ይኹን ካሊእ ተወካሊ ንምርካብ ኣይተኽኣለን።

ኣብ ማእኸላይ ሱማሊያ ክልል ጋልሙዱግ ክጣየሽ ቁልፊ ታራ ዝተፃወተ ፖለቲከኛ ሓሰን ሳማንትራ ኣብቲ ኮንፈረንስ ውክልና ዓሌታት ዘይሚዝናዊ እዩ ይብል።

መስርሕ ክልላዊ መንግስትነት ጁባላንድ ምስቲ 1.3 ሚሊዮን ነበርቲ ዝሓቖፈ ከባቢ ዝህልዎም ርክባት ኣብ ግምት ብምእታው ንኣቓልቦ ኬንያ፣ኢትዮጵያ፣ኢጋድን ፌደራላዊ መንግስቲ ሱማሊያን ስሒቡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፀደቐ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ሱማሊያ ክልላዊ መንግስታት ዝሓቖፈ ማእኸላይ መንስግስቲ ንክህሊ ይፈቅድ።ገለ ተዓዘብቲ ግን እቲ ፌደራላዊ ኣገባብ ምምሕዳር ክሰርሕ ኣብ ምግባር ምዕባለ ኣይተርኣየን ይብሉ።

ኣሕመድ ሶሊማን ለንደን ኣብ ዝርከብ ኢኒስቱት ፖሊሲ ወፃኢ ቻታም ሃውስ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪካ መፅናዕቲ የካይዱ።ንሶም ጁባላንድ ክልላዊ ምምሕዳር ንኽትኸውን ዝተቐመጠ ንፁር ሕጊ የለን፤እዚ ነቲ ከይዲ ሓደገኛ ይገብሮ ይብሉ።ብምህዋኽ ክቕፅል ምግባር ‘’ከምዝመስለኒ ኣብ ኪስማዮ ወይ ኣብ ጁባላንድ ዘሎ ኩነታት ናብ ግጭት ዘምርሕ እዩ።’’

ኣብ ኪስማዮ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ምንጭታት ወጥሪ ይንህር ከምዘሎ ምልክታት ይርአዩ ከምዘለው ንቪኦኤ ይገልፁ።ነታ ወደባዊ ከተማ ንትሽዓተ ዓመታት ተቐፃፂሮምዋ ዝነበሩ ባሬ ሒራሌ ምስ ዓሰርተታት ሚሊሺያታ ስዓብቶም ትማሊ ሓሙስ ብባሕሪ ኣቢሎም ኣብታ ከተማ ኣቲዮም ኣለው።

ናይ ሒራሌ ምምፃእ ነቲ ከባቢን ኣብቲ ከይዲ ይዝሳተፍ ንዘለውን ስግኣት ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ ሶሊማን።

ማእኸላይ መንግስቲ ሱማሊያ ኣብ ጁባላንድ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ዘይሕገ መንግስታውን ተቐባልነት ዘይብሉን ክብሉ ይነፅጉዎ።
XS
SM
MD
LG