ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኬንያ ብዛዕባ'ቲ አብ ሶማል ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ይፈልጡ'ዮም ይብል ሶማላዊ ጀነራል


ሓደ ጀነራል ሶማልያ ብመጥቓዕቲ ኣል-ሸባብ ዝተበተኑ ወታሃደራት ኬንያ ብዛዕባ'ቲ መጥቓዕቲ ኣቐዲሞም ሓበሬታ ረኺቦም ኔሮም'ዮም ኢሉ።

ኣብ ዞባ ጌዶ ኣዛዚ ሰራዊት ሶማል ዝኾኑ ጀነራል ኣባስ ኢብራሂም ጎራይ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለጽዎ እንተኾይኑ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ኣዛዚ ሓይሊ ኬንያ ብዛዕባ'ቲ መጥቓዕቲ ይፈልጥ ኔሩ ኢሉ።

ሰበ-ስልጣን ኬንያ ነቲ ዓርቢ ዘጋጠመን ብውሑዱ 40 ወታሃደራት ኬንያ ዝቐተለን መጥቃዕቲ ከነጻሪ'ኢና ይብሉ'ለው።

ብኻልእ ወገን ናይ ሶማል ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ አልሸባብ አብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት አፍሪቃ ዘካየደ መጥቃዕቲ ገለ ኬንያዊያን ወታሃደራት ማሪኹ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

ናይ ኬንያ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ በቲ ዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ገለ ወታሃደራቶም ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጦም ኣለው።

አልሸባብ አብ ናይ ትማሊ መግለጺኦም ቁጽሪ ዝሞቱ ኬንያዊያን ናብ 100 ከምዝወሰኸ ጠቂሱ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ግን ኣይከአልን።

XS
SM
MD
LG